ኣድራሻና
166 6th Ave, Bezuidenhout Valley, Johannesburg, 2094
ኣድራሻና
166 6th Ave, Bezuidenhout Valley, Johannesburg, 2094


ጸናጽል ድምጹ ኣዝዩ ጥዑም ዚኮነ ናይ ምስጋና ንዋያተ ቅድሳት እዩ። ካብ ጥንቲ ሌዋውያን ሎሚ ክሳብ ዘሎው ግሩማን ናይ ሓዲስ ቤተ መቅደስ መዘምራን፡ ካብ ዚቀደመት ድንካን ሙሴ፡ ክሳብ አብ ዘመና ዚበጽሐት አማናዊት ቅድስተ ቅዱሳን / ቤተ ክርስቲያን/ አብ ቅድሚ እግዚአብሔር ሒዝናዮ እንቀውም ናይ ምስጋና ቅዱስ መሣርሒ እዩ።
ጸናጽል ንምስጋናን መዝሙርናን ሓደ ካብቶም መንፈሳዊ ተመስጦን ዚፈጥሩ ንዋያተ ቅድሳት ሓደ እዩ።ናይ ሊቃውንቲ ኣእዳው ብዘይ ጸናጽል ኣይቀሳቀስን፡ ቅኔ ማኅሌት ብዘይ ከበሮ ኣይደምቕን፡ ብዘይካ ኣብ ግዜ ጾመ ክርስቶስ /ጾመ አርብዓ/ እዚ ቅድስት ቤተ ክርስትያን ሓዘና ትገልጸሉ ዓቢይ ስባኤ እንተ ዘይኮይኑ፡ ቅኔ ማኅሌት ካብዞን ቅዱሳን ንዋያት ፍጹም ኣይፍለይን።
ክገርመኩም! ጸናጽል በዚ ኩሉ ናይ ኣገልግሎት ዘመኑ፡ ሓንቲ መዓልቲ ንቅዱስ ሥጋ ክቡር ደም ክርስቶስ ብዝግብር መንፈሳዊ ዕዮ ንምስታፍ ናብ ቤተ መቅደስ ክአቱ ፍጹም ርኢናዮ ኣይንፈልጥን። ጥንቲ ይኹን ሕጂ፡ ክሉ ግዜ ግዳማዊ ኣገልግሎት ጥራይ እዩ።
ብርሃነ ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ ናይ ባዶነት ምሳሌ ገይሩ ክገልጾ ከሎ ንርእይ።” ፍቕሪ ካብ ዘይትህልወኒ፡ ከም ዜድሂ ኣስራዚ ወይስ ጭልጭል ከም ዚብል ጸናጽል ምዀንኩ። ” /1ይ ቆሮ13፥1/ ኣይገርመኩምን!
ነዚ ከንብብ ከለኹ፡ ካብ ግዜ ህጻንነተይ ጀሚሩ ክሳብ ኣብ ቤተ መቀድስ ዚዓበየት ነፍሰይ ዘከርክዎ፡ ሓሰብኩ ቤተ እስራኤ ክማረኹ ከለዉ ትዝ በለኒ ” ንጽዮን ምስ ዘከርናያ በኸና” ኢሎም ከም ዚተዛረብዎ፡ ሎሚ አነ ውን ባዶ ዚተረፈት ሕይወተይ ብፍትወት ሥጋ ዚተማረኸት ጽንዮን ነፍሰይ ኣዝዩ መሪር ንብዓት ነባዕኩላ።ብጀካይ ንጽዮን ነፍሰይ ዚተዋህባ ቃል ኪዳን ካባይ ንላዕሊ መን ይፈልጠላ?
ስለዚ ድማ እየ ደጋጊመ አብ ጥቃ ሩባ ባቢሎን ኮይነ ኣምርር ኣቢለ ዚበኸኹላ፡ ደጊመ ደጋጊመ ” ከም ዜድሂ ኣስራዚ ወይስ ጭልጭል ከም ዚብል ጸናጽል ኢኺ” በልክዋ።
እስኪ ሕስብ ኣብሉ! ብዘይ በአይ ማኅሌት ኣይጅመርን፡ ዝማሬ ኣይጽብቅን፡ ናይ ሊቃውንት ጎሮሮ ኣይክፈትን፡ ሽብሽባ ሰማያዊ ኣይመስልን፡ ኣእዳውምን ኣይንቀሳቀስን፡ ቅኔን መወድስን ኣይፈስስን፡ ስብሓተ ነግህ ኣይበጽህን፡ ኣርያም ኣይዝየምን፡ ዋዜማ ኣይቅወምን፡ እስኪ ንገሩኒ ኩሉ ብዘይ በአይ ኣይጽብቅን መልክዕ ውን የብሉን፡ ኣበየናይ መንፈሳዊ ኣገልግሎት እሞ ዘይአቱ፡ አየናይ ሊቕ ንዓይ ከይሓዘ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ንምስጋና ዚቖውም፡ ጥንቲ ኮነ ሎሚ ነዚ ፍሉይ ኣገልግሎት ዝድለ እዩ።
ከምዚ እንተ ዘይኮይኑ ማኅሌት ከመይ ኢሉ ክምዕርግ። መን እዩ ኣነ ኣብ ዘይብሉ ብዘይ ድቓስ ዘገልግል። ምስ ከበሮ ብምህሃድ ብዝወጽእ ድምጼ ቅላጼ ብዙሓት ይምሰጡ፡ ናይ ድምጸይ ጣዕሚ ብውሽጢ አእዛኖም ይሰምዑኒ፡ ብከምዚ ዚመሰለ ኣማዕሪጉ ንዚፈጠረኒ ” ብጥዑም ዝደሃዩ ጸናጽል አመስግንዎ። ” መዝ 150፥4 እናበሉ የምስግኑ። በቃ ናይ ድምጸይ ጣዕሚ እንዳረአዩ፡ ኣቤት ትዕድልቲ ብምባል የድንቁ። ሰብ ሓዳር ክግበር ኮነ ክመውት፡ ክሽየም ኮነ ኣብ ወጎዕን ማዕረግን ክበጽሕ ከሎ ብዘይ በአይ ኣበይ ይኾነሎም፡ ኣምጽእዎ ኣምጽእዎ ይበሃል፡ ኣይገርምን!
እዚ ክሉ ክበረይ ምስ ረአኹ፡ ኣብ ማእከል ሰባት ብዓብይ ኩርዓት ተቐሚጠ ከሎኹ፡ ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ነት ሸፊኑኒ ዚነበረ መጋርጃ ቀሊዐ ነፍሰይ ተመልከትክዋ፡ ክትግዕር ሰማዕክዋ፡ ክገብሮ ዚግብአኒ ብዘይ ምግባረይ፡ ዘይጠቅም ባርያ እየ፡ ” ከም ዜድሂ ኣስራዚ ወይስ ጭልጭል ከም ዚብል ጸናጽል” ኮይነ ኣለኹ እንዳ በለት ተልቅስ ነበረት።
ዚውቃዕ ከበሮ፡ ጭልጭል ዚብል ጸናጽል፡ ዚህረም ነጋሪት ንገዛእ ርእሶም እንታይ ተጠቅሙ? ብድሕሪኦም ዚተበገስ ክንደይ ብዝሓት ነፍሳት እዮም መንግስቲ እግዚአብሔር ዚወርሱ፡ ናብቲ ተስፋ ዚበጽሑ፡ ናብ መልአኻዊ ማዕረግ ክበጽሑ፡ንሱ ግና ሕጂ ምድራውያን እዮ፡ በዚ ወለዶ ውን ምንም ኣይተለወጠን፡ ክሳብ ምጽአት ክርስቶስ ውን ካብዚ ሕይወት ዚወጽእ ውን ኣይመስልን፡
በቓ አነ ውን ከምኡ እየ፡ ከምቲ ጸናጽል፡
ቃል እግዚአብሔር ይሰብኽ ኣለኹ፡ ዝማሬ ይዝምር ኣለኹ፡ መውድስ ይቅነይ፡ ሰዓታት የብጽሕ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ጫፍ ክሳብ ጭፍ ኩሉ ይፈልጦ፡ እንተ ኾነ ግና ብሕይወተይ ኣይነብረሉን፡ ሰባት ካብ አፈይ ብዝወጽእ ቃሉ ናተይ ናይ ሕይወተይ ነጽብራቅ ስለ ዚመስሎም ኣዝዮም ይግረሙ፡ ከማይ ክመስሉ ኣዝዮም ይቀንኡ።
ኣነ ግና ከይሓሰብክዎ ልክዕ ” ከም ዜድሂ ኣስራዚ ወይስ ጭልጭል ከም ዚብል ጸናጽል ዀንኩ” ምክንያቱ ይግዕር ስለምንታይ ግና ምንም ዚፈልጦ ነገር የብለይን። ብዝጭርሖ ሕይወተይ ግና ምንም ኣይልወጥን፡
ብድሕረይ ዚተንስኡ፡ ካብ ምዕራብ ክሳብ ምብራቅ ኩሉ መአዝን ዚመጽኡ ብዙሓት ናብ ገነት ኣትዮም። ካልኦት ውን ቃሉ ሰሚዖም ብሓቂ ተለዊጦም ንስሓ ኣትዮም፡ ኣነ ግና ሎሚ ውን “ከም ዜድሂ ኣስራዚ ወይስ ጭልጭል ከም ዚብል ጸናጽል” ኮይነ አለኹ።
እቲ ዚግዕሮ አቐዲመ ዚፈልጦ ነይረ እንተዝኸውን ማንም ኣይመቐደመን፡ ቅድሚ ኩሎም ሊቃውንት፡ ባዓል ቅኔ ኣነ መንግሰቲ እግዚአብሔር ምወረስኩ ነይረ፡ እንታይ እሞ ወሃ ዘበል ሕይወትዘይብለይ “ከም ዜድሂ ኣስራዚ ወይስ ጭልጭል ከም ዚብል ጸናጽል” ኮይነ ኣለኩ፡ ሕይወት ዘይብሉ ሓጺን፡ ድምጸይ ኣዝዩ ጥዑም፡ ትግሃተይ ኣዝዩ ግሩም፡ ምስ ምስጋና ምስምማዐይ፡ ኣብ ኩሉ ኣእዳው ምእታወይ ሠናይ እካ እንተነበረ፡ ግን ፍቅሪ የብለይ፡ ሥጋይ ንአዕዋፍ እንተ ዚህብ፡ ዘለኒ ኩሉ እንተ ዝምጽውት፡ ናይ ድኻታት ኣቦ ተባሂለ እንተተጸዋዕኩ፡ ዓጽመይ ክሳብ ዚርአ እንተ ጾምኩ፡ ፍቅሪ እንተ ዘይብለይ በቓ ልክዕ “ከም ዜድሂ ኣስራዚ ወይስ ጭልጭል ከም ዚብል ጸናጽል”ምኻን ደአሉ! ሥጋን ደምን ዘይቅበል እንተኮይነ ንምንታይ እየ ዚግዕር ዘለኩ?
ለካ! ሥጋን ደምን ክርስቶስ ዘድልዮ ብሰናይ ኣርምሞ ትም ንዝበለ ደአ ምበር ከምዚ ከማይ ጫሕ ጫሕ ዚበል ጸናጽል ኣይኮነን፡ ኢላ ነፍሰይ ከተልቅስ ከላ ኣነ ድማ ነባዕኩ።
ኦ! ኣምላኸይ ጸናጽል ሕይወተይ ለውጠለይ፡ ክፍአት ሓጥያተይ ኣርሕቀለይ፡