ተደጋጋሚ ዝሕተቱ ሕቶታት

ጸሓይ ከይትኸይድ ኣዚዙ ጠጠው ዘበለ ኣቦ መን እዩ᎒ ኣበየናይ ምዕራፍን ፍቕድን ንረኽቦ᎒

ጸሓይ ከይትኸይድ ኣዚዙ ጠጠው ዘበለ ኣቦ፥ ኣቦና ኢያሱ እዩ። እቲ ንጸሓይ ጠጠው ዘበለሉ ቦታ ከኣ <ጊብዖን>ይበሃል። ኢያ.10:12። ተመልከት።

ድኂሩ ኻልኦት ቅዱሳን፥ እኒ አቡነ ኣሮን፥ ቅዱስ ነኣኵቶ ለኣብ፡ አባ በርሶማ፡ አቡነ ዜና ማርቆስን ካልኦትን እውን ንጸሓይ ኣዚዞም እዮም ።

ኦርቶዶክስ (orthodox) እንታይ ማለት ኢዩ᎒

ኦርቶዶክስ ዝብል ቃል መበቆሉ ካብ ግሪክ ኮይኑ፥ ካብ ውህደት ክልተ ቃላት ዝተርኽበ ቃል ኢዩ። ትርጉሙ ድማ፡ ኦርቶ (Ortho) ማለት ቅኑዕ፡ ትኽክል፡  ማለት ክኸውን ከሎ ዶክስ (Doxa) እምነት፡ ሃይማኖት ማለት ኢዩ። ስለዚ ኦርቶዶክስ ማለት ቅኑዕ እምነት፡ ሓቀኛ እምነት፡ ቅኑዕ ሃይማኖት ማለት ኢዩ።

ናይ ጾም ጀማሪኡ መን እዩ᎒ መዓስ᎒ ንመን ተኣዊጁ᎒

ናይ ጾም ኣዋጅ ጀማሪኡ ባዕሉ ልዑለ ባህሪይ እግዚአብሔር ኣምላኽና እዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ብምስሉን መልክዑን ገይሩ ሰብ ምስ ፈጠረ ንዕኡ ንወዲ ሰብ ዝሃባን ዝኣወጃን ናይ መጀመርታ ሕጊ እያ፡፡ እዚውን እግዚአብሔር ኣምላኽ በታ ሻድሻይቲ መዓልቲ ካብ ኣርባዕተ ባህሪየ ሥጋን ካብ ሓሙሻይ ባህሪየ ነፍስን ወሲዱ ብሸውዓተ ባህሪያት ህያው እስትንፋስ ዘለዎ ሰብ ምስ ፈጠረ፥ ውሉድነት ሂቡ ቀዲሱ ኣኽቢሩ ኣብ ገነት ኤደን ኣቀመጦ። ኣብዚ ብኸምኡ ስቅ ኢሉ ኣይሓደጎን እንታይ ደኣ፡ሕጊ ሠርዓሉ።እቲ ሕጊ÷ “ ካብ ፍረ እቲ ኣብ ገነት ዘሎ ኦም ኩሉ ብላዕ፥ ካብ ፍረ እታ ጽቡቅን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና፡ ካብኣ ዝበላዕካላ መዓልቲ ክትመውት ኢኻ እሞ ካብኣ ኣይትብላዕ። ” ትብል ነበረት። ዘፍ.2:16-17። እዛ ትእዛዝ ንግዜኡ ኣብ መንጎ ሰብን እግዚአብሔር ምልክት ነበረት። ንሱ ከኣ ናይ ፈጣርን ፍጡርን፥ ናይ ገዛእን ተገዛእን እተፍልጥ፥ንኣምላኹ ዝዝክረላ፥ ኣብ ልዕሊ’ዚ ድማ እታ ከይበልዓ ዝተነግረቶ ፍረ ኦም ካብቲ ካልእ ኣብ ገነት ዘሎ ኣእዋም ኩሉ ኣብ ብርኽ ዝበለ ልዑል ቦታ እያ ዝነበረት እሞ፥ በዚ’ውን ልዑል ንዝኾነ ባህረይን ክብረይን ኣይትመነ ክብሎ እዩ። ፍጻሜኡ ግና ካብ ኩሉ ፍረ እቲ ኣብ ገነት ዘሎ ብላዕ፥ ካብ ፍረ እታ ጽቡቅን ክፉእን እተፍልጥ ፍረ ኦም ግና ኣይትብላዕ ማለቱ፥ነፊግሉ ኣ ይኮነን፥ ንጾም ምእዋጁን ምስትምሃሩን ዘመልክት እዩ። ስለዚ ጾም ብባዕሉ ብናይ እግዚአብሔር ኣዋጅ ንደቂ ሰባት ዝተነግረትን ዝተሠርዐትን ናይ መጀመርታ ሕጊ እያ። ኣብቲ ዳሕራይ ዘመን ኣብ ሓድሽ ኪዳን፥ ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብፍቃዱን ብስምረት አብን መንፈስን ንዓና ንምድኃን ሰብ ኮይኑ ናብዛ ዓለም ምስ መጽአ’ውን መጀመርታ ዝሠርዓን ዝኣወጃን ሕጊ ንጾም እዩ ኔሩ። ከመይሲ ከምቲ መብልዕ ንኃጢኣት መገዲን መጀመርታን ዝኾነ ሓቀኛ ጾም ድማ ንጽድቂ ከሉ መጀመርታ መገዲ እዩ።

ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ እንከሎ ዝተዛረቦ ሸውዓተ ቃላተ መስቀል ጐይታ ዝበሃሉ እንታይ እዮም ᎒
  1. ኦ ኣቦይ ዚገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ ሕደገሎም። ሉቃ.23:34።
  2. ኤሎሄ ኤሎሄ ላማ ሰበቅታኒ (ኣምላኸይ ኣምላኸይ ንምንታይ ሓደግካኒ?)። ማቴ,27:46።
  3. ሎሚ ኣብ ገነት ምሳይ ከም እትኸውን ብሓቂ እብለካ ኣለኹ። ሉቃ.23:43።
  4. ኣቲ ሰበይቲ እንሆ ወድኺ፥እንሃ ኣዴኻ። ዮሓ.19:26-27።
  5. ጸማእኩ። ዮሓ.19:28።
  6. ተፈጸመ ። ዮሓ.19:30።
  7. ኦ ኣቦይ! ንነፍሰይ ኣብ ኢድካ ኣማዕቍባ ኣለኹ። ሉቃ.23:46።

እዞም ሸውዓተ ቃላተ መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት እዮም፥ ንዓና ነቶም እንድኅን ግና ኃይሊ ኣምላኽ እዮም። 1ቆሮ.1:18። ሓደ’ውን፥ “ ክርስቶስ ኣብ ዕጽ ሕይወት መስቀል ተሰቂሉ ኣድኂኑና እትብል እምነትናን ቃል ትምህርትናን ነቶም ዚጠፍኡ ዘይኣምኑ ዕሽነት እዩ፥ንዓና ነቶም ዝደሓና ግና ሓይልና ክብርና እዩ።” 1ይቆሮ.1:21-23።

ነገረ ጥንተ ስቅለት ክርስቶስ መዓስ እዩ፧

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን።  ነገረ ጥንተ ስቅለት ክርስቶስ መዓስ እዩ ፧  ꗺ  ጥንተ ስቅለት- መጋቢት 27፣ 34 ዓመተ ምሕረት፡ ብዘመን ጲላጦስ ጴንጤናዊ፡፡  ወላዲት ኣምላኽ ድንግል ማርያም ዕድመን ዓመተ ምሕረትን ዝዓረፈትሉ ክንደይን መዓስን ኔሩ ፧ ꗺ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብዚ ምድሪ….

×