መጋቢት 27 ጥንተ ስቅለት “ጋሻ ዚኮነ ጸልማት”

“ጋሻ ዚኮነ ጸልማት

ታሪኽን አፈጣጥራ ናይዛ ዓለም አብ እንምርምረሉ፡ካብ ብርሃን ዘይኮነ ካብ ጸልማት እዩ ዚጅምር። ሰማይን ምድርን አብ ዚተፈጥርሉ ብዘይ ወለሓደ ተቓናቓኒ ጸልማት ነጊሱ ነበረ። ድሕሪ 12ተ ሰዓት ግና ዚተወሰነሉ ናይ ስልጣን ደረት ስለዘብቕዐ፡ ቦትኡ ንብርሃን ገዲፉሉ ተዓዝረ። በዚ ሥርዓት ጸኒዕም ክነብሩ ፈጣሪ መደበ። (መዝ 136፥12) አብ መጽሓፍ ቅዱስ ብፍሉይ ዚተሰነዱ ክልተ አገርመቲ ጸልማት አለዉ።

ቀዳማይ አብ ዘመን ሙሴ ዚተፈጸመ ኮይኑ፡ አብ ዚተወሰነት ናይ ግብጺ ግዛአት ዚተራእየ ጸልማት ነበረ። ናይቲ ጸልማት ዓይነት ሙሴ ክገልጽ ከሎ”ጽኑዕ ጸልማት” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ። ከምኡ ውን ዚርምሰስ፡ እንተ ደፋእካዮ ዚድፋእ ምኻኑ ፍሉይ ይገብሮ። ን72ተን ሰዓታት ነጊሱ ንከተማ ግብጺ ዚተቖጻጺረ ብምንባሩ፡ ብንውሓቱ ክሳብ ሕጂ መወዳድርቲ ዘይብሉ ጋሻ ጸልማት እዩ።[ዘጸ 10፥21]

ሊቀ ነብያት ካብ ዚገበሮም ተአምራት መበል 9ይ ተምዝጊቡ ንረኽቦ። እቲ ጸልማት ጽኑ ብምኻኑ ንሓድሕዶን ውን ክረአአዩን ክተሓጋገዙን ፍጹም አይከአሉን። እዚ ንግዚኡ ንፈርኦናውያን ካብ እግዚአብሔር ዚተዋህበ ናይ ንስሓ መገዲ ስለዚነበረ ብጸሎት ሙሴ ረሓቐሎም። ፍጻሜኡ ግና ጽኑዕ ጸልማት፥ አብ ግብጻዊያን ዚወረደ ጽኑዕ መካራ ምሳሌ ነበረ። ቅድሚኡ ይኩን ድሕሪኡ አብ ሓደ እዋን ክንድኡ ዘለዎ ብዝሒ ሕዝቢ አብ ሓደ መቓብር ተአኪቡ ዚተቐብረ ፍጹም የለን። አብ ግብጻውያን ግና ተፈጸመ፡ ምድሪ ግብጺ ጸቢቡና ኢሎም ከምዘይጋዓሩ ሕጂ ግና ባሕሪ ኤርትራ ንኩሎም ሓኸለቶም።

እቲ ጸልማት ዚርምሰስን እንተደፋካዮ ዚድፋእን፡ ንሓድሕዶም ክረእዩን ብዘይምክአሎም ፍሉይ ብምንባሩ፡ ፍሉይ ዚኮነ መከራ ክሰድልኩም እየ ንምባል እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ይትረፍ ናይ ሓደ ግብጻዊ ሕይወት፡ ሬሳኡ እካ ምስ ቤተሰቡ አይተራኸበን ካብ ንጉስ ጀሚሩ ክሳብ ተራ ዚተአዘዘ መቕዘፍቲ ነበረ። ንሰብ ዘይሓዝን ዘይርህርህን ካብ ፈጣሪ ምሕረት አይርከብን እዩ።

ባዕላቶም ንእስራኤላውያን ብዘውጽእዎ ሕጊ ብእኡ ተቐጽዑ ።”ወዲ ዚተወልደ ዘበለ ናብ ባሕሪ ይደርበ፡ ደቒ አንስትዮ ግና ብሕይወት ክጸንሓ”(ዘጸ 1፥22) ዚብል ነበረ። በዚ መሰረት እግዚአብሔር ነቲ ባዕላቶም ዘውጽእዎ ናይ ጭካኔ ሕጊ ንባዕላቶም ከምዝቑጽዑ ገበረ። ስለዚ ክሎም ደቂ ተባዕትዮ አብ ባሕሪ ኤርትራ ሰጠሙ፡ አንስቶም ግና ብህይወት ተረፋ። እቲ ብንስሓ ክምለስ ዘይፈቐደ ሰብ ብህይወት ምንባር እንታይ ጥቕሙ።

ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ እቲ ጸልማት ተቐንጢጡ ብርሃን ኮነ። እዚ ዘርእየና ድሕሪ ሣልሳይ ክፍለ ዘመን ማለት፥ ድሕሪ ዘመነ አበው፡ ዘመነ መሳፍት፡ ዘመነ ነገስት፡ እቲ አማናዊ ሙሴ ክርስቶስ ካብ ድቕድቅ ጸልማት አናጊፉ ናብ ብርሃን ከም ዘሰጋግረና ዚነግር ምሥጢር እዩ። ብአንጻሩ ክንምለከት ከለና ሙሴን እስራኤላውያን ዚነበሩላ ከተማ ራምሴ ምንም ጸልማት ዘይኮነ ብርሃን ነበረ። እዚ ድማ ብአምላኮ እግዚአብሔር ጸኒዖም ዚነብሩ ክርስትያን አብ ሰማይ ይኩን አብ ምድሪ ፍጹም ጸልማት ከም ዘይረኽቦም ይገልጸልና።(ራእ 21፥23)

አብ መጽሓፍ ቅዱስ ብሉይ ኪዳን ተሰነዱ ዘሎ ነዊሕን ዘፍርሕን ጸልማት ኣዚ ኽኸውን ከሎ፡ ካልእይ ድማ ሓጺር ዚኮነ ፍሉይ ተአምራት ዚተፈጸመሉ ድማ አብ ወንጌል ተጻሒፉ ንረኽቦ። (ማቴ27፥45) በዚ ለይቲ ዘይተፈጸመ ግፍዕን በደልን ፍጹም የለን። ውቓበ መልክዑ ክሳዕ ዚልወጥ፡ ብደም ዚጠልቐየ ልብሲ፡ ብዋሕዚ ደም ዚተሸፈነ ገጽ፡ ብቑስሊ ዘገጸ ሰብነት፡ ሓደ ክልተ ኢልካ ክቑጸር ዚክእል አዕጽምቲ፡ እዚ ኩሉ አብ ክርስቶስ ተፈጸመ።

“ካብ ደቂ ሰብ ንስኻ ትጽብቕ፣ ውቃበ ኣብ ከናፍርካ ፈሰሰ፣ “(መዝ 45፥2) ተባሂሉ ከም ዘይተዘመረሉ፡ ሕጂ ግና ብስንኪ ግፍዒ አይሁድ ” መልክዕን ውቃበን ኣይነበሮን፡ ምስ ርኤናዮ፡ ዜብህገና ትርኢት ኣይነበሮን።”(ኢሰ 53-2) ተባሂሉ ዚተነገረ ቃል፡ ግዜ ምስ አኸለ፡ ብአይሁድ ተጸፍዐ፡ ብብተሪ ርእሱ ተወ ቕዐ፡ ብሽንካር ዚተውግአ አእዳዉን አእጋሩን፡ ብኩርማጅ ዚተገርፈ፡ ዚቖሰለ አካሉ፡ ዚረአዩ 22 ፍጥረታት ብዘይካ ሕሊኖኦም ዚዓወረ ቤተ አይሁድ ንክሉም ናይ ሓዘን አዋጅ ዚተነፍሓሉ ዕለት ነበረት። ነዚ ምስ ተመልከቱ ሓደ ሊቕ ዓለም ዕለተ ዓርቢ እያ ኢሎም ዚተናገሩ። ምክንያቱ ዓለም መከራ እምበር ራሕዋ ስለዘይርከባ።

ዕለት ዓርቢ ሓዘን እምበር ሓጎስ ዘይተረአየላ፡ ፍትሒ ዚጎደላ፡ሽፍታ ተፈቲሑ ንጹህ ንሞት ዚተፈርደላ ዕለት ስለዚኮነት ። በዚ ምክንያት ሕጊ ተፈጥሮ ተሳዕረ ብግዜ ብርሃን ጸልማት ነገሰ፡ ጸሓይ ጸልመተት ወርሒ ደም መስለት፡ እቲ ብርሃናዊ አዳም ብጸልማት ዚተሸፈላ ክብሩ ዝተቐንጠጠላ ግዜ ምካኑ ንምግላጽ ኮዋክብቲ ረገፉ።

ብነብያት ክመጽእ ተባሂሉ ዚተነግረሉ (ሚል 4፥2) ሓቐኛ ጸሓየ ጽድቅ ኢየሱስ ክርስቶስ አይሁድ ብጨርቒ ገጽ ክሽፍንዎ ምስ ተመልከቱ ጸሓይ ገጻ ሽፈነት፡ ወርሒ ናይ ክብር ልብሳ አውጺአ ናይ ጸልማት ባሮኖስ ለበሰት፡ ሰማያውያን ኃይላት ክሎም ብአርምሞ ተዋሕጡ፡ ክሳብ ማዕሙቅ ሲኦል ብርሃን ዘብርህ ንጸሓየ ጽድቅ ሰፈሮም አረከቡ።እስኪ ጸሓይን ወርሕን እንትርፎ ንምድሪ እንተዘይኮኑ ንሕይወት ሰብ መዓስ ብርሃን ኮይኖም ይፈልጡ። ንሕይወት ወዲ ሰብ ክብርህ ዚመጸአ እንኮ ናይ ዓለም ብርሃን ዚተባህለ ክርስቶስ ጥራይ እዩ።

ንእሳታዊ ብርሃን ጸሓይን ወርሕን አይድልይዎን፡ ንዝጸልመተት ዓለም ከብርህ ጥራይ ዕርቓኑ ኮነ። ካብ መዓስ ንእሳት ልብሲ ዘድልዮ፡”መብራህቲ፡ ኣብ ቤት ንዘሎ ኹሉ ኼብርህ፡ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ኪሰቕልዎ እምበር፡ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ኬንብርዎ ኣይግባአን እዮ።” ብምባል አቐዲሙ ዚመሃረ።ስለዚ ንዓለም ብርሃን ክብርህ እቲ ሓቀኛ ጸሓየ ጽድቅ አብ መስቐል ዚወዓለ። በዚ ምኽንያት ብናቱ ብርሃን ናይ ጸሓይን ወርሕን ብርሃን ካብ ገጽ ምድሪ ጠፍአ።

አብ ታሪኽ ንመጀመርያ ግዜ ካብ ፋዱስ ክሳብ ሰዓት ሰለስተ ን3ተ ሰዓት ናይ ስራሕ ደው በሉ።እዚ ድማ ወዲ ሰብ ብዝሰር ሖ ሓጥያት አብ ድቅድቅ ጸልማት ወዲቑ ከምዚነበረ ንምግላጽ እዩ። (ኢስ 9፥2) ፍጻሜኡ ግና ስለ ክልተ ነገር እዩ።ትንቢት ንምፍጻም (ዘጸ 14፥ 7-8) ፡ ከምኡ ውን ነቲ ብግዜ ሙሴ ምሳሌ ዚነብረ ገንሸል ፋሲካ አማናዊ ገንሸል ንሱ ምኻኑ ንምግላጽ እዩ።(ዘጸ12፥1-25)

ቤተ እስራኤል ብዝሰውእዎ መሥዋእቲ ካብ ዚነበሮም ናይ ባርነት አርዑት ሓራ ወጹ፡ በዚ ዕለት ዚተሰውአ አማናዊ መሥዋእቲ ካብ ሓጥያት ባርነት አርዑት ፍጹም ሓርነት አምጸአ። (ዮሓ 1፥29)

ጸልማት ዚተሳዕረ ብናይ ክርስቶስ ሞት ነፍሱ ምስ ወጸት ነበረ ። እቲ አብ ልዕሊ ሰብ አንጸላልዩ ዚነበረ ጸልማት ብሞቱ ተቐንጠጠ፡ ንሱ ሞተ ንዓና ግና ብርሃን ኮነ፡ ንሱ ርእሱ አዘንበለ ፡ ንሕና ድማ ርስና አቒንዕና ክንጋዓዝ በቓዕና፡ ንሱ ከም ሓደ ምውት ተቖጺሩ ናብ መቓብር ወረደ፡ ንሕና ድማ ብናቱ ሞት ሕያዋን ተቐጸርና፡ ንሱ ከም ሓደ ሽፍታ ሓጥተኛ ተሓሲቡ ተኸሰ፡ ንሕና ድማ ምስ ቅዱሳን ተጸንበርና፡ ትርጉም ሓቐኛ ፍቕሪ ኸምዚ እዩ። ነፍስኻ ስለ እትፈትዎ የሕሊፍካ ምሃብ።
አሜን።

ሼር ብምግባር ንኻሎኦት ኣካፍሉ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

×