ኣድራሻና
166 6th Ave, Bezuidenhout Valley, Johannesburg, 2094
ኣድራሻና
166 6th Ave, Bezuidenhout Valley, Johannesburg, 2094


“ጋሻ ዚኮነ ጸልማት”
ታሪኽን አፈጣጥራ ናይዛ ዓለም አብ እንምርምረሉ፡ካብ ብርሃን ዘይኮነ ካብ ጸልማት እዩ ዚጅምር። ሰማይ ምድር አብ ዚተፈጥ ርሉ ብዘይ ወለሓደ ተቓናቓኒ ጸልማት ነጊሱ ነበረ። ድሕሪ 12 ተ ሰዓት ግና ዚተወሰነሉ ናይ ስልጣን ደረት ስለዘብቕዐ፡ ቦትኡ ንብርሃን ገዲፉሉ ተዓዝረ። በዚ ሥርዓት ጸኒዕም ክነብሩ ፈጣሪ መደበ። (መዝ 136፥12)አብ መጽሓፍ ቅዱስ ብፍሉይ ዚተሰነዱ ክልተ አገርመቲ ጸልማት አለዉ።
ቀዳማይ አብ ዘመን ሙሴ ዚተፈጸመ ኮይኑ፡ አብ ዚተወሰነት ናይ ግብጺ ግዛአት ዚተራእየ ጸልማት ነበረ። ናይቲ ጸልማት ዓይነት ሙሴ ክገልጽ ከሎ”ጽኑዕ ጸልማት” ብምባል ገሊጽዎ፡ከምኡ ውን ዚርምሰስ፡ እንተ ደፋእካዮ ዚድፋእ ምኻኑ ፍሉይ ይገብሮ። ን72ተን ሰዓታት ነጊሱ ንከተማ ግብጺ ዚተቖጻጺሩ ብምንባሩ፡ብንውሓቱ ክሳብ ሕጂ መወዳድርቲ ዘይብሉ ጋሻ ጸልማት እዩ።[ዘጸ 10፥21]
ሊቀ ነብያት ካብ ዚገበሮም ተአምራት መበል 9ይ ተምዝጊቡ ንረኽቦ። እቲ ጸልማት ጽኑ ብምኻኑ ንሓድሕዶን ውን ክረአአዩን ክተሓጋገዙን ፍጹም አይከአሉን።እዚ ንግዚኡ ንፈርኦናውያን ካብ እግዚአብሔር ዚተዋህበ ናይ ንስሃ መገዲ ስለዚነበረ ብጸ ሎት ሙሴ ረሓቐሎም።ፍጻሜኡ ግና ጽኑዕ ጸልማት፥ አብ ግብ ጻዊያን ዚወረደ ጽኑዕ መካራ ምሳሌ ነበረ። ቅድሚኡ ይኩን ድሕሪኡ አብ ሓደ እዋን ክንድኡ ዘለዎ ብዝሒ ሕዝቢ አብ ሓደ መቓብር ተአኪቡ ዚተቐብረ ፍጹም የለን። አብ ግብጻውያን ግና ተፈጸመ፡ ምድሪ ግብጺ ጸቢቡና ኢሎም ከምዘይጋዓሩ ሕጂ ግና ባሕሪ ኤርትራ ንኩሎም ሓኸለቶም።
እቲ ጸልማት ዚርምሰስን እንተደፋካዮ ዚድፋእን፡ ንሓድሕዶም ክረእዩን ብዘይምክአሎም ፍሉይ ብምንባሩ፡ ፍሉይ ዚኮነ መከ ራ ክሰድልኩም እየ ንምባል እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ይትረፍ ናይ ሓደ ግብጻዊ ሕይወት፡ ሬሳኡ እካ ምስ ቤተሰብ አይተራኸበን ካብ ንጉስ ጀሚሩ ክሳብ ተራ ዚተአዘዘ መቕዘፍቲ ነበረ። ንሰብ ዘይሓዝን ዘይርህርህን ካብ ፈጣሪ ምሕረት አይርከብን።
ባዕላቶም ንእስራኤላውያን ብዘውጽእዎ ሕጊ ብእኡ ተቐጽዑ ።”ወዲ ዚተወልደ ዘብለ ናብ ባሕሪ ይደረበ፡ ደቒ አንስትዮ ግና ብሕይወት ክጸንሓ”(ዘጸ 1፥22) ዚብል ነበረ። በዚ መሰረት እግዚአብሔር ነቲ ባዕላቶም ዘውጽእዎ ናይ ጭካኔ ሕጊ ባዕ ላቶም ከምዝቑጽዑ ገበረ። ስለዚ ክሎም ደቂ ተባዕትዮ አብ ባሕሪ ኤር ትራ ሰጠሙ፡ አንስቶም ግና ብህይወት ተረፋ።እቲ ብንስሓ ክምለስ ዘይፈቐደ ሰብ ብህይወት ምንባር እንታይ ጥቕሙ።
ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ እቲ ጸልማት ተቐንጢጡ ብርሃን ኮነ። እዚ ዘርእየና ድሕሪ ሳልሳይ ክፍለ ዘመን ማለት፥ ድሕሪ ዘመነ አበው፡ ዘመነ መሳፍት፡ ዘመነ ነገስት፡ እቲ አማናዊ ሙሴ ክርስቶስ ካብ ድቕድቅ ጸልማት አናጊፉ ናብ ብርሃን ከም ዘሰ ጋግረና ዚነግር ምሥጢር እዩ። ብአንጻሩ ክንምለከት ከለና ሙሴን እስራኤላውያን ዚነበሩላ ከተማ ራምሴ ምንም ጸልማት ዘይኮነ ብርሃን ነበረ። እዚ ድማ ብአምላኮ እግዚአብሔር ጸኒ ዖም ዚነብሩ ክርስትያን አብ ሰማይ ይኩን አብ ምድሪ ፍጹም ጸልማት ከም ዘይረኽቦም ይገልጸልና።(ራእ 21፥23)
አብ መጽሓፍ ቅዱስ ብሉይ ኪዳን ተሰነዱ ዘሎ ነዊሕን ዘፍርሕ ን ጸልማት ኣዚ ኽኸውን ከሎ፡ ካልእይ ድማ ሓጺር ዚኮነ ፍሉይ ተአምራት ዚተፈጸመሉ ድማ አብ ወንጌል ተጻሒፉ ንረኽቦ። (ማቴ27፥45) በዚ ለይቲ ዘይተፈጸመ ግፍዕን በደልን ፍጹም የለን። ውቓበ መልክዑ ክሳዕ ዚልወጥ፡ ብደም ዚጠልቐየ ልብሲ፡ ብዋሕዚ ደም ዚተሸፈነ ገጽ፡ ብቑስሊ ዘገጸ ሰብነት፡ ሓደ ክልተ ኢልካ ክቑጸር ዚክእል አዕጽምቲ፡እዚ ኩሉ አብ ክርስቶስ ተፈጸመ።
“ካብ ደቂ ሰብ ንስኻ ትጽብቕ፣ ውቃበ ኣብ ከናፍርካ ፈሰሰ፣ “(መዝ 45፥2) ተባሂሉ ከም ዘይተዘመረሉ፡ ሕጂ ግና ብስንኪ ግፍዒ አይሁድ ” መልክዕን ውቃበን ኣይነበሮን፡ ምስ ርኤናዮ፡ ዜብህገና ትርኢት ኣይነበሮን።”(ኢሰ 53-2) ተባሂሉ ዚተነገረ ቃል፡ ግዜ ምስ አኸለ፡ ብአይሁድ ተጸፍዐ፡ ብብተሪ ርእሱ ተወ ቕዐ፡ ብሽንካር ዚተውግአ አእዳዉን አእጋሩን፡ ብኩርማጅ ዚተ ገርፈ፡ ዚቖሰለ አካሉ፡ ዚረአዩ 22 ፍጥረታት ብዘይካ ሕሊኖኦም ዚዓወረ ቤተ አይሁድ ንክሉም ናይ ሓዘን አዋጅ ዚተነፍሓሉ ዕለ ት ነበረት። ነዚ ምስ ተመልከቱ ሓደ ሊቕ ዓለም ዕለተ ዓርቢ እያ ኢሎም ዚተናገሩ። ምክንያቱ ዓለም መከራ እምበር ራሕዋ ስለዘይር ከባ።
ዕለት ዓርቢ ሓዘን እምበር ሓጎስ ዘይተረአየላ፡ ፍትሒ ዚጎደላ፡ሽፍታ ተፈቲሑ ንጹህ ንሞት ዚተፈርደላ ዕለት ስለዚኮ ነት ። በዚ ምክንያት ሕጊ ተፈጥሮ ተሳዕረ ብግዜ ብርሃን ጸልማት ነገሰ፡ ጸሓይ ጸልመተት ወርሒ ደም መስለት፡ እቲ ብርሃናዊ አዳም ብጸልማት ዚተሸፈላ ክብሩ ዝተቐንጠጠላ ግዜ ምካኑ ንምግላ ጽ ኮዋክብቲ ረገፉ።
ብነብያት ክመጽእ ተባሂሉ ዚተነግ ረሉ (ሚል 4፥2) ሓቐኛ ጸሓየ ጽድቅ ኢየሱስ ክርስቶስ አይሁድ ብጨርቒ ገጽ ክሽፍንዎ ምስ ተመልከቱ ጸሓይ ገጻ ሽፈነት፡ ወርሒ ናይ ክብር ልብሳ አውጺአ ናይ ጸልማት ባሮኖስ ለበሰት፡ ሰማያውያን ኃይላት ክሎም ብአርምሞ ተዋሕጡ፡ ክሳብ ማዕሙቅ ሲኦል ብርሃን ዘብርህ ንጸሓየ ጽድቅ ሰፈሮም አረከቡ።እስኪ ጸሓይን ወርሕን እንትርፎ ንምድሪ እንተዘይኮኑ ንሕይወት ሰብ መዓስ ብርሃን ኮይኖም ይፈልጡ። ንሕይወት ወዲ ሰብ ክብርህ ዚመጸአ እንኮ ናይ ዓለም ብርሃን ዚተባህለ ክርስቶስ ጥራይ እዩ።
ንእሳታዊ ብርሃን ጸሓይን ወርሕን አይድልይዎን፡ ንዝጸልመተት ዓለም ከብርህ ጥራይ ዕርቓኑ ኮነ። ካብ መዓስ ንእሳት ልብሲ ዘድልዮ፡”መብራህቲ፡ ኣብ ቤት ንዘሎ ኹሉ ኼብርህ፡ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ኪሰቕልዎ እምበር፡ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ኬንብ ርዎ ኣየብርሁን እዮም።” ብምባል አቐዲሙ ዚመሃረ።ስለዚ ንዓለም ብርሃን ክብርህ እቲ ሓቀኛ ጸሓየ ጽድቅ አብ መስቐል ዚወዓለ። በዚ ምኽንያት ብናቱ ብርሃን ናይ ጸሓይን ወርሕን ብርሃን ካብ ገጽ ምድሪ ጠፍአ።
አብ ታሪኽ ንመጀመርያ ግዜ ካብ ፋዱስ ክሳብ ሰዓት ሰለስተ ን3ተ ሰዓት ናይ ስራሕ ደው በሉ።እዚ ድማ ወዲ ሰብ ብዝሰር ሖ ሓጥያት አብ ድቅድቅ ጸልማት ወዲቑ ከምዚነበረ ንምግላ ጽ እዩ። (ኢስ 9፥2) ፍጻሜኡ ግና ስለ ክልተ ነገር እዩ።ትንቢት ንምፍጻም (ዘጸ 14፥ 7-8) ፡ ከምኡ ውን ነቲ ብግዜ ሙሴ ምሳ ሌ ዚነብረ ገንሸል ፍሲካ አማናዊ ገንሸል ንሱ ምኻኑ ንምግላጽ እዩ።(ዘጸ12፥1-25)
ቤተ እስራኤል ብዝሰውእዎ መሥዋእቲ ካብ ዚነበሮም ናይ ባርነት አርዑት ሓራ ወጹ፡ በዚ ዕለት ዚተሰውአ አማናዊ መሥ ዋእቲ ካብ ሓጥያት ባርነት አርዑት ፍጹም ሓርነት አምጸአ። (ዮሓ 1፥29)
ጸልማት ዚተሳዕረ ብናይ ክርስቶስ ሞት ነፍሱ ምስ ወጸት ነበረ ። እቲ አብ ልዕሊ ሰብ አንጸላልዩ ዚነበረ ጸልማት ብሞቱ ተቐን ጠጠ፡ ንሱ ሞተ ንዓና ግና ብርሃን ኮነ፡ ንሱ ርእሱ አዘንበለ ፡ ንሕና ድማ ርስና አቒንዕና ክንጋዓዝ በቓዕና፡ ንሱ ከም ሓደ ምውት ተቖጺሩ ናብ መቓብር ወረደ፡ ንሕና ድማ ብናቱ ሞት ሕያዋን ተቐጸርና፡ ንሱ ከም ሓደ ሽፍታ ሓጥተኛ ተሓሲቡ ተኸሰ፡ ንሕና ድማ ምስ ቅዱሳን ተጸንበርና፡ ትርጉም ሓቐኛ ፍቕሪ ኸምዚ እዩ። ነፍስኻ ስለ እትፈትዎ የሕሊፍካ ምሃብ።
አሜን።