እምንስቲቲ ሙኪርያ አንቲ ፋሲልያሱ

ካብቶም ብዕለት ዓርቢ ድዝየሙ ዜማ ሓደ እዩ። ቃሉ ናይ ጽርዕ ኮይኑ ትርጉሙ ድማ ተዘከረነ እግዚኦ በውስተ መንግ ስትከ(ኦ ጎይታ በታ ትመጽእ መንግስትካ ዘክረና) ማለት ዩ።

ቅድስት ቤተ ክርስትያን ናይ ክርስቶስ ናይ መከራ ግዜ ብፍላይ ካብ ፍርቂ ማልቲ (ፋዱስ) ክሳብ ሰዓት ሰለሰተ (3) ዘሎ ከቢድ ሓዘን ንምግላጽ 3ተ ካህናት ጸሊም ካባ ልብሲ ክህነት ለቢሶም ርእሶም ደፊኦም ክሉ ምእመና አሰሮም ብምስዓብ ርእሶም ብምሻፋን መጀምርያ ካህናት ብድህሪኡ ሕዝቢ ተኸቲሎም ብመሪር ሓዘን ገጾም ሽፊኖም ሰለሰተ ግዜ ብምምልላስ የዝይሙ።

እዚ ምሳሌ እዩ፡ ጸሊም ልብሲ ተክህኖ ዚለበሱ እቶም ሰለስተ ካህናት ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ በቲ ዕለት ዓርብ ከቢድ ጸዋትወ መከራ ተቐቢሉ አብ መስቀል ተሰቒሉ ሞተ። በዚ ምኽንያት ናይ ብርሃን ካባ አውጺኦም ናይ ሓዘን ካባ ለቢሶም ናይ ጸልማት መጎናጸፊ ተሽፊኖም ሓዘኖም ናይ ዚገለጹ ጸሓይ፡ ወርሒ፡ ከዋኽብቲ ምሳሌ እዮም።

ዕለቱ እቲ ቕኑዕ ፈጣሪ ዚሞተሉ ሓጣተኛ አዳም ዚደሓነሉ፡ ካብ ቤተ ተክህነት ፍትሒ ዚጠፋአሉ፡ ሓቂ ዚተቐበርትሉ እዩ ዚነበረ።ስለዚ ጸሓይ ገጻ ሸፈነት፡ ወርሒ ክሳዳ ደፍአት፡ ከዋኽብቲ ብሰንኪ መሪር ግፍዒ ካብ ክብሪ ዚፋኖም ናብ ምድሪ ወደቁ። መሪር ስቅያትን ዕርቓን ፈጣሪኦም ከይርእዩ ዓይኖም አመቱ፡ እዝኖም አጸዉ። ፈጣሪም ክጽፋዕ ምስ ተመለከቱ አዝዮም ሓዘኑ ክሎም ርእሶም ደፍኡ።

ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ምስቶም ሰማያም ፍጥረታት ምስ ጻሓይ፡ ውርሒ፡ ከዋኽብቲ ብምትሕብባር፡ 3ቱ ካህናት ምስቶም ምድራዊያን ዕጽዋት፡ ቀላያት ንምትሕብባር ክሎም ሕዘቢ ምእመናን ርእሶም ደፊኦም ገጾም ሸፊኖም፡ ብሓባር እዚ ዜማ ክነዝይም ሰሪዓትልና ትርከብ። አብ ሰማይ ይኩን አብ ምድሪ ብጀካ ቤተ አይሁድ ዘይሓዘነን ዘይጎሃየን አይነበረን።

እምንስቲቲ ሙኪርያ አንቲ ፋሲልያሱ ትርጉም፥

ጸሊም ልብሰ ተክህኖ ዚለበሱ ካህናት ናይ ጻድቃን ምሳሌ እዮም። እዚ ድማ ቅዱሳን ብስጋ ዚቕበልዎ መሪር ጸዋትወ መከራ እዩ። ስደት፡ጥምየት፡ ጽምኢ፡ ግርማ ጸልማት ፍትወት ስጋ፡ ከቢድ ዚኮነ ፈተነ ሰይጣን ዚበጽሖም ዚተፈላለየ መካራ አብ ምሕዛን ዘሕልፍዎ ዘለዉ ናብራ ምረቱ ንምግላጽ ካህናት ጸሊልም ልብሶም ይረአዩ።

ጸሓይ፡ ወርሒ፡ ከዋኽብቲ (2ይቆሮ 11፥35) ብሰናይ ፍቃዶም ሓዘኖም ንምግላጽ ግብእ ክብሮም ገዲፎም። ቅዱሳን ድማ ነቲ ክሉ ዚከአሎ ፈጣሪ ዘለዎም ፍቕሪ ንምግላጽ ዚነብሮም ስልጣን፡ ሃብቲ፡ ክብሪ ሓዲጎም መነኑ። ምእንቲ ክርስቶስ ክብሉ ክሉ ጣዕሚን ሓጎስን ዓለም፡ገዲፎም ገዛእ ርእሶም ጽባሕ ንክሕጎሱ ንሓዘን የሕሊፎም ሂቦም። ናይ ሓዘና መበገሲት ዕለት ዓርቢ እያ፡ እዛ ዕለት ሰማያውያንን ምድራውያን ክሎም ግኡዛን ፍጥረት ከይተረፉ ብሓባር ዚሓዘናላ ዕለት እያ።

ካብዛ እዋን ናይ ክርስቲያን ዕደመ ናይ ሕይወት ቀመር ኮይና ክትቕጽል ስለዚግባአ፡ ባዕሉ ክርስቶስ መስቀለይ ተሰኪሙ ዘይስዕበኒ ንዓይ አይበቕዕን ብምባል ናይ ፍቅሪ መስቀል ግዕዞ ዚመሃረና። ስለዚ ቅዱሳን ክሉ ግዜ አብ ዕለት ዓርቢ ይነብሩ፡ ብጀካ ዕለት ዓርቢ ካልእ መዓልቲ አይፈልጡን ነታ ክብርቲ ናይ ትንሳኤ ዕለተ ሰንበተ ኪዳን ንምባጽሕ ወተሩ ብዕለት ዓርቢ ዚተፈጸመ ነገረ ድህነት እንዳሓሰቡ ምስኡ ሰንበት ክትንድኡ ምስኡ ሓቢሮም ብዕለት ዓርቢ ይሞቱ።

አብ ታሪኽ ስነ ፍጥረት እንተ መልኪትና ፈጣሪ ዘዕረፈላ ዕለት ቀዳመይቲ ሰንበት ዓርቢ ክሎ ዕዮ ፈጢሩ ምስ ወደአ እዩ ዚነበረ። (ዘፍ 2-2) እግዚአብሔር አብ ናይ መጀመርያ ዓርቢ መወዳእታ ስጋዊ ዕረፍቲ ሰርዓልና። በታ ክልአይቲ ዓርቢ (ዓርቢ ስቅለት) አብ መሰቀል ምእንታና ብሙማት ክሉ ተፈጸመ ኢሉ መንፈሳዊ ዕረፍቲ ከምዘሎ መሃረና።”እቶም ካብ ሕጂ ብጐይታ ዚሞቱ ምዉታት ብጹኣን እዮም። እወ፡ ግብሮም ኪስዕቦም እዩ እሞ፡ ካብ ጻዕሮም ኪዐርፉ እዮም፡ ይብል መንፈስ፡ ዚብለኒ ድምጺ ሰማዕኩ።” ራእ 14-13

ሎሚ ንሕና ውን ከምቶም ቅዱሳን አበው አሰሮም ተኸቲልና ወትሩ አብ ዕለት ዓርቢ ክንብር ይግበአና። አሜን።

ሼር ብምግባር ንኻሎኦት ኣካፍሉ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

×