ኣድራሻና
166 6th Ave, Bezuidenhout Valley, Johannesburg, 2094
ኣድራሻና
166 6th Ave, Bezuidenhout Valley, Johannesburg, 2094


ናይ መጀመርያ አመንቲ”ናይ ትንሣኤ መሰኻኽር”ተባሂሎም ተጸዊዖም። ሓዋርያት በዚ ስም ይፍለጡ፡ “ምስክረይ ክትኮኑ” ብምባል ክርስቶስ ሰማያዊ ስልጣን ሃቦም፡(ሉቃ 24፥48) ይሁዳ ንክርስቶስ ብምሻጡ ክብሩ ሰአነ፡ስልጣኑ ተሓድገ፡ቅዱስ ጰጥሮስ “ካብ እዚኣቶም ሓደ (ኢዮስጦስን ማትያስን) ብዛዕባ ትንሳኤኡ ምሳና ምስክር ኪኸውን ይግባእ እዩ።(ግብ 1፥15-26) ብምባል ነቶም 120 ቤተሰብ አፍለጠ፡
ብመስረት ዘውደቅዎ ዕጫን ጸሎትን ማትያስ አብ ክንድ እቲ ንጸጋ ዚነዓቃ ይሁዳ ናይ ትንሣኤ ምስክር ክኸውን ብመንፈስ ቅዱስ ተመርጸ።ከም ተስፋ ቃሉ መንፈስ ቅዱስ አብ ልዕሊኦም ወረደ፡ሓይሊ ተቐበሉ።ከም ትእዛዙ አብ መላእ ኢየሪሳሌም ናይ ትንሣኤ መሰኻኽር ኮኑ።መንፈስ ቅዱስ ካብ ዚተቐበሉላ ሰዓት ጀሚሮ ናይ ትንሣኤ ወንጌል ሰበኹ።ቅዱስ ጰጥሮስ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ብአፍ ቅዱሳን አበው ዚተነግረ ቃል እንዳ ገለጸ ክሳብ ናይ ትንቢት ፍጻሜ መሃረ።
ነቲ ተሰዊርዎ ዚነበረ ክሉ አብርሁ አረደኦም።”ንሕና ናይ ትንሣኤ ክርስቶስ ምስክር ኢና።…… “ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕ” ብምባል መሃረ፡በዚ ቓል ብዙሓት ተማረኹ፡ አሚኖም ድማ 3000 ሰባት ተጠመቁ። (ግብ 2፥1-42) ንሓይሊ ሓጥያት አፍሪሶም፡ ንብዙሓት ካብ ሞት ናብ ህይወት መለሱ።በዚ ሰዓት ናይ ዓለም ገዛእቲ ባዶነት ተሰምዖም፡ ንማንም ሰብ ብዛዕባ ትንሣኤ ክርስቶስ ፈጺሞም ከይሰብኩ ትእዛዝ ሃቡ።
ምስቲ ሓቂ ከይተሓባበሩ ነቲ ሓቂ ተቓወሙ።ናይ ትንሣኤ መሰኻኽር ግና” ንሕና ነቲ ዚሰማዕናዮን ዚረአናዮን ካብ ምዝራብ ፍጹም ስቅ አይንብልን፡” ብምባል መለሱ። ገዛ ዓጽዮ ም ብፍርሃት ዚትሓብኡ አብ ማእከል አደባባይ ክቖሙ ደፈሩ።ናይ ገዛእቲ ፈኸራ፡ናይ ወተሓ ደራት ሓይሊ ከየፍርሖም ሓቒ መስከሩ።ስለ ስሙ ተናዕቑ፡ መከርኦም ከም ምሉእ ሓጎስ ቖጸርዎ።ብፍጹም ትግሃት ፍቅሩ እንዳ ዘከሩ መስቀሉ ጸይሮም እታ ሓቂ ቓሉ ዚሓዘት ወንጌል ንዓለም አብሰሩ።
ናይ ትንሣኤ መሰኻኽር ንዝጠፍአ በጊዕ ደልዮም ናብ ሕቅፊ እቲ ሕያዋይ ጋሳ አእተውዎ። ነቶም ካልኦት አባጊዕ ብፍቅሪ ሲሒቦም ናቱ ገበርወን።ጥዑም ዜና እናበሰሩ፡ብዙሓት አመንቲ ሰብሰቡ።ንዚተጨንቁ እንዳረጋግኡ ንብዙሓት ዕረፍቲ ኮኑ፡ብዴዌ ዚተሓዙ ተፈወሱ፡ አብ ጸልማት ዚነበሩ ናብ ብርሃን መጹ፡ብሓጥያት ዝተአስሩ ተፈትሑ፡አንፈት ዚጠፋኦም ናብ ሕይወት ተመልሱ።
ናይ ትንሣኤ መሰከኻር ናብ ጽድቂ ዚወስዱ መሳልል፡ካብ ምድራዊ ሓሳብ ናብ ሰማይ ዘሰጋግሩ ድልድል፡እግዚአብሔር ዝተዛረበሎም ልሳን እዮም።ናይ ትንሣኤ መሰኻኽር አብዛ ጸልማት ዓለም ብጽድቂ ዘብርሁ ድሙቓት ኮዋኽብቲ፡ነዛ መራር ዓለም ጨው ኮይኖም ዘመቀርዋ እዮም። ናይ ትንሣኤ መሰኻኽር አብ ገጾም ክብሩ እናተራእየ፡ አብ ሕይወቶም ፍቅሩ እናተነበ፡አብ ናብሮም መዓዛ እንዳሽተቱ ንብዙሓት አሕዛብ ማረኹ።
ድምጾም አብ ምድሪ ክሉ ተሰሞዐ፡ አጋንንቲ ረዓዱ፡ነገስታት አንቐጥቐጡ፡ጣዖታት ተሰባብሩ፡ሓሰውቲ ነብያት ሓፈሩ።ናይ ትንሣኤ መሰኻኽር ግዝአቱ ሓሊፍም ንብዙሓት ስለ ዚማረኹ ሰይጣን አንጻሮም ውግእ ከፈተ፡ብሓጥያት ዚሃነጾም ከተማታት ብቓሎም ክፈርስ ምስረአየ ናቱ ናይ ጥፋአት አምባሰደራት ለአኸ፡ብናይ ሮማውያን ኢድ ጺሒፉ አብ ልዕሊኦም ናይ ሞት አዋጅ አጽደቐ።
ናይ ሰይጣን ቃል ዝሰነቀት ዓለም ነታ ብስራት ዚሓዘት ወንጌልን ናይ ትንሳኤ ክርስቶስ መሰኻኽር ተቃወመት።ናይዛ ዓለም ዚኮኑ ክሎም ንናይ ክርስቶስ ተኸተልቲ አሳደድዎም። ናይ ትንሣኤ መሰኻኽር ናይ ትንሣኤ ወንጌል ናብ ክሉ ወለዶ ንምስግጋርን ናብታ ሃረር ዚብልዋ ዓለም ንምጉዓዝ አብ ቅድሚ ሞት ብድፍረት ቖሙ፡ስብነቶም ንመከራ ክሳዶም ንካራ፡ ሕቆኦም ንግርፋት፡እግሮም ንሰንሰለት የሕሊፎም ሃቡ።ነቲ ምዑዝ ስሙ እንዳጸውዑ፡ማራኺ ፍቅሩ እንዳርአዩ፡ሞዋቲ ብዝኮነ ሥግኦም ናይ ክርስቶስ ሕይወት ገለጹ፡ ንእግዚአብሔር አክበሩ።
ናይ ትንሣኤ መሰኻኽር ናይ ሮም ዜግነት እንተነፈግዎም ሰማያዊ ዜግነት ተቐበሉ።ናይ ፈርኦን ውልድነት ንዒቖም ናይ ሊቀ ካህናት ውሉድ ኮኑ።ስሞም አብ ምድሪ ንከይጽዋዕ እንተ ተኸልከለ አብ መስረት ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ብዘይ ድምሰስ ቀለም ተሰነደ፡ስለ ስሙ ደሞም አፍሲሶም ክዳኖም ቀዲዶም እንተደርበይዎም ሰማያዊ ጻዕዳ ልብሲ ለበሱ።ክብሩ ወረሱ፡ ሓቢሮም ምስኡ ነገሱ።ካብዛ ዓለም ጉባኤ እንተባረሩ ምስ ቶም ሰማያውያን ተጸንበሩ።
ትማሊ ዝተኸፍለ ዋጋ ከምዚ ካብ ኮነ ሎሚ ንሕና ከ? ካብዞም ክቡራን አበው ካብ ተወለድና እሞ ደቖም ካብኮና፡ናይ ሕይወትና መዓዛ ዚኮነ ህይወቶም ስለምንታይ ካብ ሕይወትና ጠፋአ? ሕይወቶም መሥዋዕቲ ብምግባር ዚጸሓፍዎ ሓቂ ሎሚ ንህና ከ ብቐለም እካ ንምጽሓፍ ንምንታይ ንፈርሕ?
ርሑስ በዓል ይግበረልና።