ኣድራሻና
166 6th Ave, Bezuidenhout Valley, Johannesburg, 2094
ኣድራሻና
166 6th Ave, Bezuidenhout Valley, Johannesburg, 2094


ብስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቁዱስ ኣሃዱ ኣምላክ
ኅቱም መጽሓፍ( THE SEALED LETTER)
ኢሳ 29:11-12
ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ነብያት ዝኾነ ቅዱስ ኢሳይያስ ኣብ መጽ ሓፍ ትንቢቱ ንዘልኣለም ዘይልወጥ ማኅተም ድንግልና እመቤ ታችን ቅድስት ድንግል ማርያም ብኣምሳል ኅቱም መጽሓፍ ብኣዝዩ ረቂቅ ምስጢራዊ ብምግላጹ ሊቃውንቲ ቤተክርስቲያ ን‘‘ድንግል ማርያም መጽሓፉ ለኢሳያስ’’ ብምባል ይጽውዕዋ።
ነብየ ኢሳይያስ መንፈስ ቅዱስ ንዚረሓቀ ኣቅሪቡ ዝረቀቀ ኣግል ሑ ሰማያዊ ምስጢር ብዚገለጸሉ‘’ትርጉም ኩሉ ራእይ እስኪ እዚ ቃላት ኅቱም መጽሓፍ ኪሥወረኩም እዩ’’ ንሓደ ንባብ ዚፈ ልጥ ‘’እንካ እስኪ እዚ ኣንብበልና ኢልኩም እንተሃብክምዎ’’ ንሱ ውን ‘’ንባብ ኣይፈልጥን እየ’’የ ኢሉ ክመልሶ እዩ።(ኢሳ 29:11-12)
ኣዝዩ ረቂቅ ምስጥራዊ መልእኽቲ ብዛዕባ ዘልለማዊ ድንግል ና ቅድስት ማርያም ምሳሌ ዚኾነት ንዝፈልጥ ይኹን ንዘይፈል ጥ ኣብ ምንባቡ ጭንቂ ዚኾነት ዚትሓትመት ምስጢራዊት መጽሓፍ ብምባል ብትንቢት ኣቀዲሙ ተዛረበ።
ቅዱሳን ሊቃውንቲ ቤተክርስትያን ናይ እመቤታችን ቅድስት ድንግል ማርያም ጣዕመ ዝማሬ ዚበዝሓሎም። መንፈስ ቅዱስ ብዝገልጸሎም ነዚ ትንቢታዊ ቃል መሰረት ብምግባር ብኣዝዩ ባህ ዘብል ብኣስተንትኖ ናይ እመቤታችን ቅድስት ድንግል ማርያም ልዕልናን ቅድስናን ዘልኣለማዊ ድንግልናን ብዝግባእ ገለጸም።
ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ሊቃውንቲ ኣዕሚቁን ኣመሳጢሩን ብዙ ሓት መጽሓፍቲ ዚደረሱ ቅዱስ ያዕቆብ ዘሥሩግ ናይ ነቢይ ኢሳያስ ትንቢት ተበጊሱ ኣብ (የሓ 1: 14) ቃል ብምትሕሓዝ ኣካላዊ ቃል /ክርስቶስ/ ኣብ ማሕጸና ዚተጻሕፈላ ኅቱም መጽ ሓፍ ዚተባህለት እመቤታችን ቅድስት ድንግል ማርያም ብም ምስጣር ነቲ ኣቀዲሙ ብትንቢት ዚተነግረ ዘልኣለማዊ ማኅተ ም ድንግልና ከይልወጠ ኣካላዊ ቃል /ወልደ እግዛቢሔር/ ኣብ ማሕጸና ምሕዳሩ።
እግዛቢሔር ኣብ ብረቂቅ ጥበቡ መንፈስ ቅዱስ ማንም ገንጺ ሉ ከንብቦ ዘይክእል ህቱም መጽሓፍ ዚተባህለት ቅድስት ድን ግል ማርያም ዕጹብ ድንቂ ምስጢሩ ኣብኣ ምግላጹ። ቀደምን ተኸታሊን ዘይብሉ ቦኽሪ ወዱ ብህቱም ድንግልና ምውላዱ ክትርጎም ከሎ ኣብታ ‘’MARRY APPEARED TO US AS A SEALED LETTER’’ እመቤታችን ቅድስት ድንግል ማርያም ናይ ወልድ ልደት ምስጢር ኣብ ውሽጣ ተሰዊሩ ዚተ ሓትመት መጽሓፍ ኮይና ንዓና ዚተገልጸት እያ።
ሰብነታ ንጹህ ወረቀት ብራና ነበረ ኣካላዊ ቃል ክርስቶስ ሓቀኛ መሎኮታዊ ባህርያቱ ኣብ ማሕጸና ጻሕፈ። ንሳ ምሕረት ስርየት ንዓለም ኩሉ ድሕነት ዚህብ ንኩሉ ፍጥረት ኣዳም ፍጹም ሓጎ ስ ደስታ መንፈሳዊ ነጻነት ካብ ዘመነ ጸልማት ናብ ዘመነ ብርሃ ን ዘሰጋግር ዘመነ ሰላምን ምሕረትን ዘበስር ዝተጻሕፈ ሕቱም መጽሓፍ እያ።ካብ መጀመርትኡ ሕቱም ነበረት። ብሕቱም ከሎ ድማ ኣካላዊ ቃል ኣብ ውሽጣ ተጻሒፉ ተረኽበ።
ምስ ተጻሕፈ ውን ማሕተም ድንግልና ከም ቀደሙ እዩ ዘሎ ኣይተለወጠን። ኣካላዊ ቃል ውን ብህቱም ከይተከፍተ ድማ ይንበብ ነበረ። እግዛቢሔር ኣብ ኣዝዩ ዕጹብ ድንቂ ዚኾነ ሰማያ ዊ ምስጢር ኣብኣ ገለጸ። ንኹሉ ግዜ ተሓቲማ ተሃልያ ዝነበረ ት ብኅቱም መጽሓፍ ዚተመሰለት ቅድስት ድንግል ማርያም ኣካላዊ ቃል ኣብ ማሕጸና ሓደረ።ናይ ዘልኣለማዊ ድንግልናኣ መረጋገጺ ማሕተም ኣብ ኣካል ኣሎ።
ኣብ ማሕጸና፥በረኸት ስጋ በረኸት ድሕነት ነፍስ ዘውህብ፡መር ገም ኣዳም ዚድምሥስ መስፍን ሰላም ተጠኒሱ ነበረ። ብኣኣ እግዛቢሔር ከኣ ናይብሥስራት ሰላም ለኣኸልና ብምባል ‘’ ON THE MOTHER OF GOD pp. 38-39’’ ገሊጽዎ ንረኽቦ።
መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እነንብበሉ ግዜ ናይ ሰላም ጥራይ ዘይኮነ ክፋእ ተንኮል ዚሓዘለ ወረ ዚተጻሕፎ ዝተዓሸጉ ደብዳቤ ንረክ ብ ኢና። ንኣብነት ልቢ ኣምላክ ቅዱስ ዳዊት ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዚፍጸም ሓጥያት ዙሙት ንምኽዋል ንኣርዮ ንምቅታል ናብ ኢዮኣብ ዝተዓሸገ ደብዳቤ ለኣኸ።(2ሳማ 11-15) ንግስ ቲ ኤግዛቢኢል ውን ብተመሳሳሊ ብጽንዓቱ ሓርበኛ ዚኮነ ስለ ርስቱ ዚሞተ ናቡቴ ንምቅታል ተንኮል ዝተጻሕፎ ዚተዓሸገ ደብዳቤ ለኣኸት።(1ነገ 21: 7-10)
እዚ ዘርእየነ እዞም ተዓሺጎም ዝተላእኩ ደብዳቤ ክፍኣትን ተን ኮልን ዚመልኦም ንጹሃን ብግፍዒ ዚሞትሉ ክፋእ ቃል ዚሓዘ መልእኽቲ እዩ ዝነበረ። ነብይ አሳያስ ብመንፈስ ቅዱስ ተመር ኩሱ ኅቱም መጽሓፍ ብምባል ብምስጢር ዚገልጻ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ውሽጢ ማሕጸና ናይ ሰላም፡ ሓጎስን ደስታን ቃል ሕይወት ዝተጻሕፎ ህቱም መጽሓፍ እያ።
ቅዱስ ያቆብ ዘሥሩግ ብምቅጻል ነዚ ፍሉይ ምስጢር ብኣድና ቖት ክግለጽ ከሎ። ‘’ኦ ማርያም ካብ ኩለን ኣንስቲ ተፈሊኺ ዚተባረኽኪ ኢኺ ምስጋናን በረኸትን ዚመልኣኪ ኢኺ።ቃላተይ ነዚ ዕጹብ ድንቂ ዚኾነ ዚኾነ ምስጢር ንምግላጽ ስቅ ኣይብልን እዩ። ማሕተም ድንግልናኺ ከም ቀደሙ ኣሎ። ኣብተን ቅዱሳን ኣጥባትኪ ውን ንጹህ ጸባ ኣሎ። ማሕጸንኪ ካብ ሩካቤ ነጻ እዩ ።ኣብ ማሕጸንኪ ግና ፍጹም ሓጎስ ሰላም ዚህብ ናይ ሕይወት ፍረ ኣሎ።
ብዘይ ዘርኢ ሰብኣይ ጸኒስኪ ተረኸብኪ።ኣዴና ሔዋን ምኽንያ ት ስሕተት፣ ምኽንያት ሞት ብምዃና መርገም በጺሑዋ ነበረ ።እቲ ንሳ ዘብላዓትና ፍረ ኦም ሞት ዘምጽእ፣ ካብ ገነት ዘውጽ እ ብምዃኑ ኩሎም ወለደ ክወቅስዋ ይነብሩ ኔሮም።
ዳግማዊት ሔዋን፣ቅድስት ድንግል ማርያም ግና ምኽንያተ ድኂን ኮነት። እቲ ዝሃበትና ፍረ ሞት ዘምጽእ ዘይኮነ በሊዕካዮ ሰቲኻዩ ናይ ዘልኣለም ህይወት ዘውህብ እዩ። (ዩሓ.6፦36) ኩሎም ወለዶ ንሔዋን ይወቅስዋ ኔርም እዩም ንድንግል ማርያም ግና ኩሎም ወለዶ ብጽእቲ እንዳበሉ የመስግንዋ። (ሉቃ.1፦48)
“ብእንተ ሔዋን ተዐጽወ ኆኅተ ገነት ወበእንተ ማርያም ድንግ ል ተርኅወ ለነ ዳግመ ከፈለነ ንብለዕ እሞ ዕፀ ህይወት” ክብ ል ወዲስዋ እዩ። ትርጉሙ ብሰሪ ሔዋን ማዕጾ ገነት ተዓጽወ ምእንቲ ማርያም ድንግል ግና ተከፊቱልና ዳግማይ ካብ ዕፀ በለስ ክንበልዕ ዓዲሉና። (ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ ኣብ ናይ ሓሙስ ውዳሴ ማርያም)
ሔዋን ብምኽሪ ዲያብሎስ ተታሊላ ንሓጢኣት ጸነስት ንሞት ከኣ ወለደት እመቤትና ግና ብብስራት ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ህይወት ጸነስት ትንሣኤ ወለደት።(ሉቃ1፦28-38) በሰበይቲ ዝመጸ ሞት ብሰበይቲ ተሳዒሩ። መድኃኒተ ሔዋን ዝተበሃለትሉ ምኽንያት ኸኣ እዚ እዩ።ነዚ ድንቂ ምሥጢር እንተ ዘይተረዲእናን እንተ ዘይኣሚናን ሔዋን ከም ዝተኸሓሰት ክብሪ ደናግል ከም ዝተመለሰ ብምንታይ ተረዲእና ክንኣምን ንኽእል።
ብዙሓን ጠቢባን ፈላጣት ኢና ዚብሉ ፍጹም ክርድእዎ ኣይከኣ ሉን ናይ እግዛቢሄርኣብ ምስጢር ዚተጻሕፈ ህቱም መጽሓፍ ዝተባህለት ንሳ ቅድስት ድንግል እያ።ወልደ እግዛቢሔር ዓለ ም ንምድሃን ካብ ሥጋ ሥጋካብ ነፍስ ነፍስ ወሲዱ ዚተገልጸላ ህቱም መጽሓፍ ንሳ ኢያ።ኣካላዊ ቃል/ክርስቶስ/ ኣብ ማሕጸና ምስ ተጽሕፈ ኣይኮነትን ዝተሓትመት።
ካብ መጀመርቲኡ ብህቱ ም ብምስጢር ኣብ ማሕጸና ተጻሕፈ ።ብሕቱም ድማ ከይተኸ ፍተ እቲ ቃል ዝንበብ ዝነበረ።ህቱም መጽሓፍ ቅድስት ድንግል ማርያም እቲ ኣብ ውሽታ ዝተጻሕፈ ኣካል ቃል ወልደ እግዛቢሄር ክርስቶስ ነበረ።እቲ ኣብ ውሽጣ ዝተጻሕፈ ምስተነበ፡ኩሉ ዓለም ተሓጎሰ ፍጹም ሰላምን ድሕነት ን ድማ ኮነ። ብምባል ‘’ ON THE VISITATION pp 69—70’’ ገሊጽዎ ንረኽቦ።
ሊቃውንቲ ቤተክርስቲያን ነዚ ዓሙቕ ምሥጢር ደጊሞም ብኸ ምዚ ገሊጸምዎ።ነቲ‘’ህቱም መጽሓፍ ነቲ ኣንቢቡ ዚኽእል እስ ኪ ኣንብብ በልዎ ንሱ ድማ ኣይክእልን እየ በለ ነቲ ኣንቢቡ ዘይክእል ድማ ሃብዎ ንሱ ድማ ኣይክእልን በለ’’ንዝብል ህቱ ም መጽሓፍ ዚተባህለት ቅድስት ድንግል ማርያም ንሓደ ንባብ ዚፈልጥ ዚተባህለ ወዲ ዳዊት ጽድቅ ዮሴፍ ኣረጋዊ እዩ።
ካህናት ንጻድቅ ዮሴፍ ንክሕልዋ ክልኣኻን ንእመቤታችን ብሓ ደራ ሃብዋ ‘’ንሱ ድማ ህቱም ከንብብ ኣይክእልን ምባሉ ብከ ምቲ ሰብኣይ ንሰበይቲ ብግብሪ ስጋ ዚፈልጣ ጻድቅ ዮሴፍ ግን ቅድስት ድንግል ማርያም ማሕደረ መሎኮት ስለዝኾነት ብስጋ ኣይፈለጣን።‘’ማርያም ንዮሴፍ ተሓጽያ ከላ ከይተቐረቡ ብመንፈስ ቅዱስ ጠኒሳ ተረኽበት።’’ (ማተ 1: 18-20)
ብምቅጻል ነቲ ኣንቢቡ ዘይክእል ድማ ሃብዎ ንሱ ድማ ከንብ ብ ኣይክእልን በለ’’ ጻድቅ ዮሴፍ ነቲ ብሓደራ ዚተዋህበቶ ማሕደረ መለኮት ወላዲት ኣምላክ ክርስቶስ ካብኣ ከምዚውለ ድ ኣይፈለጠን ነበረ። ስለዚ ወንጌላዊ ማቴዎስ ቦኽሪ ወዳ ክሳዕ እትወልድ ኣይፈለጣን (ማቴ 1: 24) ብምባል ክሳዕ
መልኣኽ መንነት ክርስቶስ ዚገልጸሉ ኣይፈለጣን። መልኣኽትን ጓሶትን ብሓደ ብሰማይ ብምድሪ ምስጋና ክሳዕ ዚሰምዕ ኣይፈ ለጣን።ሰብኣ ሰገል ብኾኾብ ተመሪሖም ኣብ ቤተልሔም ንጎይታ ክሳዕ ዝሰግድሉ መንነት እመቤታችን ቅድስት ድንግል ማርያም ኣየስረውዓለንን። በረኸት ረድኤት ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ኩልና ይኹን።