ኣድራሻና
166 6th Ave, Bezuidenhout Valley, Johannesburg, 2094
ኣድራሻና
166 6th Ave, Bezuidenhout Valley, Johannesburg, 2094


ስለምንታይ ብሕይወት ምንባር ተቓርጽ? እዛ ሕይወት መቐረት ስለ ዚሰአንካላ ዲኻ? ናብራ ስደት ስለ ዚኸበደካ? ትርጉም ሕይወት ስለ ዘይተረደካ? ስለምንታይ ምንባር ዚስልችወካ?
ምናልባት መድኃኒት ብዘይ ርክቦ ሕማም ኣብ ዓራት ስለ ዚተደንስካ? ዚሓሰብካዮ ስለ ዘይሰመረልካ? ዚአመንካዮ ስለ ዚጠለመካ ወይስ ናይ ልብኻ ተማኽሮ እሙን ብጻይ ስለ ዚሰአንካ እዩ? ስለምንታይ ምንባር ኣቓሪጽካ ሞት ትመርጽ?
ደይ ክመውት እየ፡ እንዳበልካ ቅድሚ ምማትካ ስለምንታይ ንነፍሳኻ ተሳቅያ? ሕይወት ስንክስር ኮይና መጨበጢ ሲኢንካላ ትኸውን፡ ግና ናብ ዕንባባ መሮም እሞ ተመልከት!
ዕንባባ መሮር ጽባሕ ንግሆ ከምዚደርቁ ይፈልጡ እዮም፡ እንተኾነ ግና ክሉ ግዜ ፍሱሃት ንልቢ ዚምስጡ፡ መንፈሳዊ ባህታ ዚፈጥሩ፡ ንመሬት ግርማ ኮይኖም ተወሳኺ ጽባቀ ይፈጥሩላ።
ወዲ ሰብ ውን ከምኡ ሞዋቲ እዩ፡ሞት ማንም ዘይምልጠሉ ባህርያዊ ተፈጥሮ እዩ። እንተ ኾነ ግና ደይ ክመውት እናበለ ትርጉም ምፍጣሩ ክዝንግዕ የብሉን።
ኩሉ ሰብ ብዘለዋ ጸጋን መክሊትን ክንዕብብ፡ተዛካሪ፡ ተነባቢ፡ ነባሪ ፍረ ብምፍራይ፡ ብዙሓት ዘጽሉላ፡ ፍሪአ በሊዖም ንፈጣሪኦም ዘመስግኑላ፡ ሰትዮም ዚርዉይላ ወይኒ ክንከውን ይግባእ።
ፍቱወይ!!
ይጽሕፈልካ ኣለኹ፡ ንሳኻ ኣነ ዘየድልይ ፍጡር እየ፡ ብምባል ነታ ዚተወልድካላ መዓልቲ ትራገም፡ ገዛእ ርእስኻ ከተጥፍእ ትደናደን ዘሎኻ፡ እቲ ጸገም፡ ብሰባር መስትያት መልክዕኻ ስለ ዚረአኻያ፡ ኣብ ኢድካ ዘሎ ዕድላት ስለዘይተመልካ ደአምበር፡ ክገርመካ ከምቲ ንሳኻ ስለ ገዛእ ርእስኻ ትሓስቦ ዘይኮነ ብዙሓት ነግራት ኣለው፡ ብዘይ በአኻ ምንም ክኸውን ዘይክእሉ ።
√ ብዘይ በአኻ/ኺ ዘይመውቅን ዘይደምቅን ቤት ኣሎ።
√ ብዘይ በአኻ/ኺ ክሰምር ዘይክእል ሕልምን ትምኒትን ኣሎ።
√ ብዘይ በአኻ/ኺ ዘይጽብቅን ዘይምቅርን ጸወታ መዛኑ ኣሎ።
√ ብዘይ በአኻ/ኺ ሰሓቆም ናብ ሓዘን ተስፍኦም ዝቕህም ስድራ ኣለው።
√ በዘይ በአኻ/ኺ ድዝኽትሙን፡ መጻኢኦም ዝጽልመት ውሉድ ኣለው።
√ ብዘይ በአኻ/ኺ ዘይንበብን ጽሑፍ፡ ዘይንገርን ታሪኽ ኣሎ።
ስለዚ ንዓና ተድልየና ኢኻ፡ ነዛ ሃገር ተድልያ ኢኻ፡ ሕብረተሰብ ይጽበየካ ኣሎ፡ ወለዲ ክትድብሶም ኣማዕድዩም ይርእዩካ ኣለው፡ ውላድካ ኣንፈት ከተትሕዞ፡ ካብዛ ዘዋር ዚኾነት ዓለም ከተናግፎ ይጽዋዓካ ኣሎ።
እዛ ዓለም! ልክዕ ከምታ ዓባይ ዳሜራ እያ፡ ንስኻ ድማ ሓደ ካብቶም ነዛ ዳሜራ ዘቆሙ እንጨይቲ ኢኻ። ንስኻ ኣብ ትጠፍአሉ ናይ ዳሜራ ብርሃን ይጎድል፡ ስለዚ ብዝተኻእለካ መጠን ብርሃን ኮይንካ ንበር፡፡
ብርሃንካ ከይጠፍእ ድማ ልክዕ ከምታ ወርሒ ብርሃና ኣብ ዚጎድለሉ ካብ ጸሓይ ብርሃና ወሲዳ፡ደሚቓ ብእዋን ጸልማት ግርማ ሰማያት እትኸውን፡ ንስኻ ውን ናብቲ ኣማናዊ ጸሓየ ጽድቅ ክርስቶስ ምስኡ ንበር፡ ኮኾብ ጽባሕ ኮይንካ ንጸላም ሕይወት ስዒርካ ንብዙሓት ብርሃን ክትፈጥር ኢኻ።
ፍቱወይ!! ብዚኾነን ዘይኮነን ኣይትረበሽ፡ ጸሓይ ተመልከት ብዘይ ድምጽን ታህዋኽን ብህድአት ንግስተ ሰማያት ኮይና ናይ ብዙሓት ሕይወት ተስፋ እትህብ።
ብዝሓለፈ ሕማቅ ታሪኽን ዚኸሰርካዮ ሕይወት ብዙሕ ኣይትጨነቅ፡ ምንም ዚምለስን ዚቅየርን ዚድምሰስን ዚዕረን ነገር የልቦን፡ ጥራይ ነቲ ናይ ትማሊ ሕይወት ንሎሚ ተመሃረሉ፡ ንጽባሕ መገዲኻ ተስተኻኽለሉ ክኸውን ይግባእ።
ስለዚ ሕጂ ውን ግዜ ኣሎ፡ ንቓሕ ተበራበር፡ ካብ ሕልማዊ ዓለም ውጻእ፡ መን እየ በል፡ ነፍሳኻ ፈትሽ፡ ኣብ ኢዳካ ዘሎ ጸጋ ህድእ ኢልካ ጠምት፡ በይንኻ ኣይኮንካን፡ ድኻ ውን ኣይኮንካን፡ ድኹም ውን ኣይኮንካን፡ ኣማዕዲካ ጠምት፡ ነፍሲ ወከፍ ዕለት ብፍሱህ መንፈስ አሃዱ ኢልካ ሕይወት ጀምር።
ስለዚ ፍቱወይ ስለምንታይ ምንባር ዚደኽመካ? ?
ተነጽሎን ጽምዋን ዚስመዓና ካብ ሰብ ዘይኮነ ካብ እግዚአብሔር ክንርሕቅ ከሎና ኢዩ።
“ሰብ የብለይን” ዝብል ብቀቢጸ ተስፋ ዚተዛራበ መፃጉዕ እዩ።/ዮሓ 5፥7/ ” ወደየ” ንስኻ ውን ልክዕ ከም መፃጉዕ አብ ዙርያኻ እሙን ሰብ ብዘይ ምህላዉ፡ ሰብ የብለይ ኢልካ ተስፋ ቆርጽካ ትኸውን፡ ዚቀርቡኻ ሰባት ነቲ ዘሎካ ጥራይ ርኦም ከም ዝጽጉዑኻ ዘለዉ ፈሊጥካ፡ ናይ ልቢ ፈታዊ ብዘይ ምርካብካ ትሓዝን ትህሉ፡
አብ ትወድቀሉ ዘተስአካ፡ ኣብ ትዕንቀፈሉ ትድሜኻ ዝብል እሙን ዓርኪ ወይ መሓዛ የብለይ ትብል ትኸውን፡ትማሊ ኣብ መርዓኻ፡ ጻዕዳ ልብሲ ለቢሶም ምስኻ ሓቢሮም ከም ዘይዘመሩ፡ ሎሚ ኣብ ግዜ ሓዘንካ፡ ዝያዳ ምጽንናዕን ሓገዝን ኣብ ትደልየሉ እዋን፡ ሽርብ ኢሎም ዚተሰወሩ፡ ምኽንያት ሓዘንን ተስፋ ምቅራጽን ክኾኑኻ ይክእሉ።
ትማሊ ብዙሓት ሰባት ከቢቦምኻ ከም ዘይነበሩ ሎሚ ግና በይንኻ ተሪፋካ ትህሉ።
” ወደይ፥ በዚ ፍጹም ኣይትደነቅ” ናብቲ ዚተሰቅለ ክርስቶስ ጠምት፡
√ ነቲ ሕይወት ዚሃቦም፡ ዚመቀረ ኣብርኪቱ ንመግቢ ሥጋን ነፍስን ዚጠቅሞም ዚዓደለ የዋህ ኣምላክ ዘይኮነ ሰብ? ንዓኻ ክኾነካ ትጽበ እንተ ሃሊኻ፡ ብሓቂ እምነትካ ፈትሽ፡
ክገርመካ! ሰብ ሻንብቖ እዩ፡ እንተ ተደገፍካዮ ይስበር፡ ምስ ተሰብረ ድማ ተመሊሱ ይወግአካ። ኣይገርምን፡ ወደየ ጽን ኢልካ ስምዓኒ፡ ናትካ ነገር ውን እዚ እዩ። ፈተውትኻ ግዜ ሪኦም እንተ ረሓቁኻ፡ ቤተ ሰብካን ስድራኻን ስእነትካ ሪኦም ሸለል ኢሎም እንተ ረስዑኻ፡ በይንኻ ምስ ጽላሎትካ ደው ኢልካ እንተ ተረፍካ ብዙሕ አይተደነቅ።
አብዚ እዋን እዚ ጽቡቅ ጌርካ ሕሰብ፡ አስተውዕል፡ ግዜ ርእዩ ዘይክሕድ፡ ምስ ኩነታት ዘይለዋወጥ፡ ሰብ ንዘይብሎም ኣቀዲሙ ዚረድእ፡ አብ እዋን ሽግር በዓል ውዕለት፡ እቲ እሙን ሕያዋይ የዋህ ሳምራዊ ክርስቶስ ወትሩ ምሳኻ ኣሎ። ንሱ ምሳኻ ምህላዉ እንተ አሚንካ እንተ ጸኒዕካን፡ ሰብ የብለይን ዝብል ናይ ምስትምሳልን ቁዘማን ዜማን ግጥምን ፍጹም ክቕየር እዩ።
ወደይ ናብ ጥንቲ ተመሊስካ ታሪኽ መርምር፡
ስለዚ ሎሚ ፈታዊ ቤተ ሰብ ወይ ድማ እሙን ዓርኪ ወይ መሓዚ ዘይብልካ ይኸውን፡
አደ ወይ ድማ ኣቦ ብምክንያት ሞት ወይ ስደት ምስኻ ኣይህልዉን።
እንተኾነ ግና ወትሩ ካብ ክሉ ንላዕሊ ዚኮነ፡ እሙን ሓቀኛ፡ ኣጸቢቁ ዚፈልጠካ፡ ኣዝዩ ውን ዘፍቅረካ፡ በጃኻ ክሳብ መስቀል ውን ዚበጽሓልካ፡ ሕጂ ብስምካ ዚጽዋዓካ፡ የዋህን ፈቃርን ኣቦ ክርስቶስ፡ የዋህ አደ ድንግል፡ ስታሪትካ ቅድስት ቤት፡ ብክሎም ቅዱሳን ዝተኸብካ ውሉድ ብምኻንካ ባህ ይበልካ፡
በይንኻ ኣይኮንካን ዓይኒ ልቦናኻ ከፊትካ ዙርያኻ ጠምት ኣምላኽ ኣሎ ምሳኻ።