“ንኣይ ዝሕግዘንን ዝከላኸለለይን ሚካኤል እዩ።” ትንቢተ ዳንኤል (10:21)

አምጻኤ ዓለማትን ፈጣሬ ፍጥረታትን ልዑል እግዚአብሔር ብዕለተ እሑድ ሾብዓተ ሰማያት ምስ ፈጠረ፡ ማእምራን (ፈላጣት) ከምኡ`ውን ለባውያን (ዝሓስቡ) ገይሩ ንመላእክት ፈጠሮም። ኣብ 99 ነገድ፡ ኣብ ዓሰርተ ከተማ፡ ኣብ 3 ሰማያት ድማ ኣንበሮም።

መላእክት ዝብል ቃል፣ መልእኽተኛታት፡ ምሕረት እግዚአብሔር ናብ ሰብ ከምኡ`ውን ጸሎት ሰብ ናብ እግዚአብሔር ዘብጽሑ፣ ናይ እግዚአብሔር ፍሉያት፡ ረቂቃንን ኣገልገልትን ማለት እዩ። ሓደ ካብዞም መላእኽት ሊቀ መላእክት ዝኾነ ቅዱስ ሚካኤል እዩ።

ሚካኤል ዝብል ቃል ናይ ዕብራይስጢ ኮይኑ፦ ‘ሚ’ ማለት “መን”፤ ‘ካ’ ማለት “ከም”፤ ‘ኤል’ ማለት ድማ “ኣምላኽ” ብኅብረት ከኣ “መኑ ከመ እግዚአብሔር/ መን ከም እግዚአብሔር” ማለት እዩ። ቅዱስ ሚካኤል ብስም ተፈልዩ ክጥቀስ ዝጀመረሉ ኣብ መጽሓፈ ዳንኤል (ዳን. 10፥13) እዩ። ኣብ መጽሓፈ ሄኖክ ድማ ብብዝኂ ተጠቒሱ ይርከብ። ካብዚ ፍልይ ዝበለ ድማ ኣብ ናይ ብሉይ ኪዳን፡ ኣዋልድ መጻሕፍትን ኣብ መጽሓፈ ኣብርሃምን ተጻሒፉ ይርከብ።

ቅዱስ ሚካኤል ንዅሉ ፍጥረታት ዝረድእን ዝርኅርኅን ናይ ምሕረትን ሰላምን መልኣኽ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ኣስፊርዎ ኣሎ ። ንኣብነት ነቢይ ዳንኤል፣ “ሚካኤል፡ እቲ ካብቶም ቀዳሞት መላእክት ክሕግዘኒ ናባይ መጽአ።” (ዳን. 10፥13) ፣ ኣብ ካልእ ድማ፡ “በቲ ዘመን እቲ፣ ሚካኤል፡ እቲ ምእንቲ ሕዝብኻ ዝከላኸል ዓቢይ መልኣኽ ክትንሥእ እዩ።” (ዳን. 12፥1) እናበለ ቅዱስ ሚካኤል ናይ ምሕረትን ረድኤትን መልኣኽ ምዃኑ ጠቒሱ ኣሎ። ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ሓለቓነት ኣብ ልዕሊ ኵሎም ነገደ መላእክት ብምዃኑ ፍሉይ እዩ። ኣብ ድርሳነ ሩፋኤል ተገሊጹ ከም ዘሎ “ወእምዝ ርኢኩ ሰብዐተ መላእክተ እለ ይቀውሙ ቅድመ እግዚአብሔር/ ሾብዓተ መላእክት ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ቆይሞም ረኣኹ” (ራእ. ዮሐ. 8፡2) ይብል፡ ሾብዓተ ሊቃነ መላእክት እኳ እንተለዉ ሓለቓኦም ግና ቅዱስ ሚካኤል እዩ።

ሓደ ካብ ኣርድእት ዝኾነ ይሁዳ ኣብ መልእኽቱ፡ “እቲ ሓለቓ መላእኽቲ ቅዱስ ሚካኤል እኳ ብዛዕባ ሥጋ ሙሴ ምስ ዲያብሎስ ኣብ ዝተኸራኸረሉ ጊዜ፣ ‘እግዚአብሔር ይግናሕካ’ ደኣ በሎ እምበር ቃል ጸርፍን ፍርዲን ክዛረብ ኣይደፈረን።” (ይሁ 1፥9) እናበለ ገሊጽዎ ከም ዝርከብ፣ ቅዱስ ሚካኤል ብሓደ ወገን ሊቀ መላእክት ብኻልእ ወገን ድማ ኣርምሞን ትዕግሥትን ዘለዎ መልኣኽ ከም ዝኾነ ይጠቅስ። ካብዚ ብዝተፈልየ ድማ ሳጥናኤል “አነ ፈጣሪሆሙ ለፍጡራን/ ኣነ ፈጣሪ ናይ ፍጡራን እየ” ኢሉ ምስ ተዛረበ፡ ቅዱስ ሚካኤል ሠራዊቱ ኂዙ ምስ ነገደ ዲያብሎስ ከምዝተዋግአ ወንጌላዊ ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ ዝረኣዮ ራእይ፡ “ነቲ ገበል ሚካኤልን ሠራዊቱን ተዋግእዎ፤ እቲ ገበል ውን ሠራዊቱ ኂዙ ተዋግኦም፤ ግና ኣይከኣሎምን።” (ራእ 12፥7) እናበለ ንኃያልነቱ ገሊጽዎ ኣሎ። በዚ ኸኣ ቅዱስ ሚካኤል እግዚአብሔር ብዝሃቦ ኃይሊ ኣብ ልዕሊ ዲያብሎስ ዓወት ዝረኸበ መልኣኽ እዩ።

ቅዱስ ሚካኤል ብተራዳእነቱ ንሙሴ ካብ ፈርዖን፡ ንኢያሱ ካብ ኣማሌቅ፡ ንሕዝቅያስ ካብ ሰናክሬም፡ ንዳዊት ካብ ኢድ ጐልያድ፣ ንዳንኤል ካብ ኣፍ ኣናብስት፡ ንሶስና ካብ ረበናት፡ ንኣፎምያ ድማ ካብ ዲያብሎስ ዘድኃነን ዝሓለወን መልኣኽ ከም ዝኾነ ኣብ ናይ ትርጓሜ መጻሕፍትን ኣዋልድ መጻሕፍትን ተጻሒፋ ዝርከብ። በዚ ኸኣ እዩ ስለ ናይ ቅዱስ ሚካኤል ተራዳእነትን ኣማላድነትን፡ “ሚካኤል እቲ ካብቶም ቀዳሞት መላእክት ክሕግዘኒ ናባይ መጽአ . . . ነገር ግና ኣብ መጽሓፍ ሓቂ ዝተጻሕፈ እነግረካ ኣለኹ፤ በዚ ነገር ብዘይካ ሚካኤል ዘጸናንዓኒ የለን . . . በቲ ዘመን እቲ፣ ሚካኤል፡ እቲ ምእንቲ ሕዝብኻ ዝከላኸል ዓቢይ መልኣኽ ክትንሥእ እዩ። ” (ዳን. 10፥13. 10፥21. 12፥1) እናበለ ነቢይ ዳንኤል ዝመስከረ። ቅዱስ ሚካኤል ብተወሳኺ ኣብ ዘመነ ብሉይ ንነቢያት እናተገልጸ፡ ንሓዋርያት ኣብ ናይ ስብከት ኣገልግሎቶም እናረድአ፡ ንሰማዕታትን ንጻድቃንን ኣብ ተጋድሎኦም እናኣጸናንዖም ይግለጸሎም ነይሩ እዩ።

ማኅቶተ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ያሬድ ብወገኑ፣ “መልአከ ፍሥሓ ሚካኤል ስሙ፤ ውእቱ ለመላእክት ሊቆሙ፤ መልአኮሙ ሥዩሞሙ፤ የሐውር ቅድሜሆሙ እንዘ ይመርሖሙ/ ሚካኤል ዝስሙ ናይ ሓጐስ መልኣኽ ንነገደ መላእክት ሓለቓኦም እዩ፤ ነቶም ዝተሾመሎም ንሱ እናመርሖም ቀቅድሜኦም ይኸይድ” ይብል።             

ነዚ መሠረት ብምግባር እዛ ጥንታዊትን ሓዋርያዊትን ዝኾነት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን፡ ንበዓል ቅዱስ ሚካኤል ዕለታዊ፡ ወርኃውን ዓመታውን ትዝክሮን ተኽብሮን እያ። ብፍላይ ድማ ዓመት መጸ 12 ኅዳር ክብረ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ብድምቀት እናኣኽበረቶ ትነብር ኣላ።

ንተራዳእነት ቅዱስ ሚካኤል ደጊሙ ቅዱስ ያሬድ ክገልጽ እንከሎ ከምዚ ይብል፦“በ ፲ወ፬ቱ ትንብልናከ ዐቢይ ልዕልናከ፡ በመንክር ትሕትናከ አስተምህር ለነ ሰአልናከ።/ ብዓሠርተ ኣርባዕተ ኣማላድነትካ፡ በቲ ዓቢይ ልዕልናኻን ብዘደንቕ ትሕትናኻን ንኣና ንኸተማልድ ለመንናካ”

“ከናፍሪሁ ዘእሳት፡ አልባሲሁ ዘመብረቅ፡ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ውእቱ ይዕቀብክሙ ነግሀ ወሠርከ ሌሊተ ወመዓልተ። / ከናፍሩ እሳት ኣልባሱ መብረቅ ዝኾነ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ብተራዳእነቱ ንግሆን ምሸትን፡ ለይትን መዓልትን ይሓልኹም” ከም ዝብል’ውን፣ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ብመዓልትን ለይትን ይሕልወና እዩ።

ተራዳእነት ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ምስ ኵልና ይኹን።

ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል፡ ወለወላዲቱ ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!

ሼር ብምግባር ንኻሎኦት ኣካፍሉ

One comment

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

×