ኣድራሻና
166 6th Ave, Bezuidenhout Valley, Johannesburg, 2094
ኣድራሻና
166 6th Ave, Bezuidenhout Valley, Johannesburg, 2094


ሞተ በፍቃዱ ወተቀብረ በሥምረቱ ሞተ ከመ ይቅትሎ ለሞት (ብፍቃዱ ሞተ ብፍታዉ ድማ ተቀብረ ንሞት ክስዕሮ ሞተ)ቅዳሴ ቅዱስ ዮሓንስ ወልደ ነጎድጋድ ሞት ክርስቶስ።
ንዓለም ፈጢሩ በኢዱ ጨቢጡ ዚሓዘ ጎይታ ብፍቃዱ አብ ጉባኤ እቶም ክፏአት አይሁድ ተታሒዙ ብቓላት ዘይግለጽ ከቢድ መከራ ተቐበለ።(መዝ 22-16)ናይ ሓያላን ሓያል ብኢድ እቶም ድኩማት ተወቅዐ። ንነገስታት ሓይሊ ዘዕጥቅ ንሱ ግና ደኸመ። አብ ናይ እሳት ዝፋን ተቐሚጡ ዚፈረድ ሓቀኛ ዳኛ ብምድራዊ ዳኛ ብሓሶት ምስክር ንሞት ተፈርደ። ብእልፍ አእላፋት ቅዱሳን መላእክት ተኸቢቡ ዚምስግን አምላክ አብ ቆራንዮ በይኑ ደው በለ። ክሎም ፍጥረታት በብቓንቓኦም ዘመስግኖ ጎይታ ብረበናት አይሁድ ግና ብቅንአት ተጸርፈ ።
ብልሳን ኪሩበልን ሱራፌልን ዚምስገን አምላክ ብልሳን ሓናን ቀያፋን ተዋረደ። ንሰማይ ብዘይ ዓንዲ ዘጽነዐ ንመሬት አብ ልዕሊ ባሕሪ ዚሰረተ ጎይታ ኢዱ አብ መስቀል ተሽንከረ።ካብ ገነት ክሳብ ቆራንዮ ነታ ዚጠፍአት በጊዕ ንምድላይ ዓቕበትን ቁልቁለትን ዚወረዳ ዚደየባን አእጋሩ አብ መስቀል ተቀነዋ።ንምድሪ ብዕንባባ መሮሮ ዘወቐበ አምላክ ጥራይ ዕርቃኑ ኮነ።
አብ ርእሲ ሰማእታት አክሊል ጽድቂ ዘጎናጸፈ አምላክ አኪሊል እሾክ አብ ርእሱ ደፍእሉ።አቤት አዕጽምቱ ክሳብ ዚረአ ዚገረፋዎ አይሁድ አእዳዎም ከመይ ኢለን ተአዘዛሎም። ጎኑ ብኩናት ንምውጋእ ክመይ ኢሉ አእዳዎም ተዘርግሓሎም። ናይ በሓቂ ነቲ እሙን ሕያዋይ መምህር ከመይ ኢሉ ልቦም ጨከነሎም።ብክብሪ ደሚቁ ብናይ እሳት መብረቅ ዚታጋረደ አብ ብርሃን ዚነብር ጎይታ ብደም ገጹ ተሓጽበ። ንውቅያኖስ ዚፈጠረ ጸምአ።ንሞት ዘብጽሕ በደል ዘይብሉ ጻድቅ አምላክ ንሞት ተፈርደ።
ሞተ ዘኢይመውት ሞተ ከመ ይስዓሮ ለሞት ሞተ ከመ ያሕይውሙ ለሙታን (እቲ ዘይመውት ንሓይሊ ሞት ክስዕር ሞተ ነቶም ዚሞቱ ሕያዋን ክገብሮም ሞተ) ቅዳሴ ዲዮስቆሮስ
ናይ ክርስቶስ ሞት ብአርባቲዕም ወንጌላውያን ተጻሕፈ። ብአርባትዑ ማእዝን ተሰብከ። ብናይ ጎይታ ናይ ሞት ዕዳና ተደምሰሰ። መቅደስ መጋረጃ አብ ክልተ ተተርተረ ምድሪ ተናወጸት ከውሒታት ተፈንቀሉ መቃብር ተኸፍቱ ሙታን ተንስኡ ናይ ጥንቲ ጸላኢና ሰይንጣን ተሳዕረ ሞት መውጊኢኡ ተስበረ ሲኦል ተወረት።
ክርስቶስ ብፍቃዱ እንተዘይመውት ነይሩ እዚ ዓቢይ መንፈ ሳዊ ዓወት አይምተረክበን ። ናይ ዓለም ታሪክ አይምተለወጠን ናይ አዳም ተስፋ አይምተፈጸምን ናይ ጥንቲ ጸላኢና ዲያብ ሎስ ኩናቱ አይምደርበዮን ሓይሊ ሞት ካብ ልዕሊና አይም ርሓቀን እቶም አብ ጸልማት ዚነበሩ ነፍሳት ናብ ብርሃን አይምተሳገሩን ነይሮም።
ብሞት ክርስቶስ
√ ትንቢት ነብያት ተፈጸመ
√ ሞት ብዓወት ተዋሕጠ
√ ትንሳኤ ተገልጸ ሕይወት ተዋህበ
√ ናይ ሰይጣን ሰንሰለት ተበትከ
√ ናይ ሕይወት አፍደገ ተራሕወ
√ ሰላም ሰፈነ ምሕረት ወረደ
√ እሱራት አምለጡ
ናይ ክርስቶስ ሞት ናይ ባርነት ታሪክና መጨረሻ ናይ ናጽነት ታሪክና መጀመርያ እዩ።ናይ ክርስቶስ ሞት ስዕረት አይኮነን፡ ምናልባት ሰይጣን ንክርስቶስ ንሞት ምስ ተፈርደ ዚተዓወቶ መሲልዎ ነበረ። እንተ ኮነ ግና ብትንሳኤ ክርስቶስ ሓይሊ ሞት ተሳዕረ። አይሁድ ብሞቱ ዚተሰማምዑ መቓበር ዚሕዞ መሲልዎም እዩ፡ ጎይታ ግና ድሕሪ ሞት ሕይወት ከምዘሎ አርአዮም ።ናይ ክርስቶስ ሞት ንዓና ብስራት ንዲያብሎስ መርድእ ነበረ ። ሞቱ ብዝመውት ስጋና እንሽከሞ ሕይወት እዩ። ንዜኑ ሞተከ እግዚኦ ወትንሣኤከ ቅድስት(ኦ ሞትካን ትንሳኤካን ንነግር) ከምዚ በሉ ሓዋርያት
ፈተውቲ ዘብዝሑ ምልኩዓት ሃብቲ ዚደለቡ ሃብታማት ንሰብ ዘጨነቁ ሰበ ስልጣናት ሰዓብቲ ዘፍረዪ ሰብ ዝና ተፈራሕቲ ዚንበሩ ጀጋኑ ክሎም ሞቱ። መዘከርትኦም ግና ነዊሕ አይከደን ቀልጢፉም ተረስዑ። ስም ክርስቶስ ግና ዘይርሳዕ ዘይሓልፍን ሕያው እዩ።ከምዚ በሎ አብ ሳልሳይ መዓልቲ ዚተንሰአ አምላክ ሕያዋን ናይ ምዉታን ሕይወት ዩ። ንሞትና ዚሰዓረ ትንሳኤ ዩ።
ስለዚ ሞቱን ትንሳኤን ወትሩ ከም ሓዲሽ ዜና ብኩሉ ቓኝቓ ይስበክ። ንኩሉ ወለዶ እንዳተነግረ ይነብር።ብፍቅሩ ብዙሓት ተቃጸሉ።ዝንኡ ንምድሪ ሸፈና፡ ውዳሴኡ አብ አፍና መልአ፡ ምስጋንኡ ከም ወሓይዝ ማያት መሊኡ ብልሳን ሕጻናት ከናፍር ፈሰሰ።
አሜን 🙏