ኣድራሻና
166 6th Ave, Bezuidenhout Valley, Johannesburg, 2094
ኣድራሻና
166 6th Ave, Bezuidenhout Valley, Johannesburg, 2094


ሊቶስጥሮስ
ኪርያ ላይሶን ኪርያ ላይሶን ኪርያ ላይሶን
ዓርቢ ረፋድ ሰዓት ትሽዓተ አብታ ከተማ መመሊሱ እናሓየለ ህውከትን ናዕብን እናበርትዐ ምስከደ ንአይሁድ 
ዘመሓድሮም ዚነበረ ሮማዊ ዚኮነ ጲላጦስ ሊቶስጥሮስ አብ ዚተባህለ ናይ ሕዝቢ መከቢ ( አደባባይ) ተገልጸ።
እቲ ዘመን ቤተ እስራኤል ብባዕዳውያን ገዛእቲ ትመሓደረሉ ዚነበረት ናይ ባርነት ግዜ ነበረ። ናይ በዓል ቅዱስ ዳዊት፡ ንጉስ ሰሎሞን ደቆም አብ ኢድ ሮማውያን ወደቑ። ቤተ አይሁድ ሕሱም ግዝአት ባርነት ስለ ዚጠዓሞም ብጀካ ቄሳር ካልእ ንጉስ የብላን በሉ። ሮማውያን ባዕሎም ንጉሶም ወዲ ናዝሪት ክርስቶስ ኢሎም ዋላ እንተ መስከሩ ቤተ እስራኤል ግና አበዩ።
ቤተ አይሁድ ናይ አዳምን ደቁን ሮማውያን ናይ አጋንቲ ምሳሌ ነበሩ። ቤተ እስራኤል አብ ትሕቲ ግዝአት ሮማውያን ከምዚ ነበሩ፡ አዳም ደቁን ድማ አብ መሪር ናይ ጥፍእት ባርነት ድያብ ሎስ ወዲቖም አብ ዚነበርሉ ግዜ ጎያታ ተገልጸ። ከምቲ አይሁድ ብዘይካ ቄሳር ካልእ ንጉስ የብላን ዚበሉ፡ አዳምን ሔዋን ድማ ብፍቓዶም ባርያ ናይ ድያብሎም ምኻኖም ናይ ዕዳ ደብዳቤ ፈረሙ። ሮማውያን ክርስቶስ ንጉስ አይሁድ ምኻኑ እንዳመስከሩ ቤተ አይሁድ ሓንገዱ። ከምኡ ድማ አጋንንቲ ኢየሱስ አምላክ ወዲ አምላክ ምኻኑ እንዳ መስከሩ ቤተ እስራኤል ግና ንሱ ደአ ወዲ እቲ ጸራቢ እንጨይቲ እና በሉ አምላኽነቱ ከሓዱ።
ናይ ክርስቶስ አምላኽንት ዚቅበል ጸላኢ ንጉስ ቄሳር እዩ ዚብል አዋጅ አጽዲቖም ነበሩ። ክርስቶስ አምላኽ ንጉስ ሰማይን ምድርን ምኻኑ ዚጸልእ ብዘይካ ድያብሎስ መን አሎ። እዚ ስለዚ ኮነ እዩ፡ ቅዱሳን አምላኽንቱ ስለ ዚመስከሩ ብመጋዝ ዚተሓርዱ፡ ብሴፍ ዚተቆርጹ፡ ብሓዊ እቶን እሳት ዚነደዱ፡ መሪር ግፍዒ ዚተቐበሉ ። በዚ ምኽንያት ክርስቶስ ሊቶስጥሮስ አብ ዚተባህለት ቦታ ንፍርዲ ዚቖመ።
በዚ ሰዓት አዳምን ደቑን አብ ቅድሚ ድያብሎስ መሪር ስቕያት ይበጽሖም ነበረ። ለይቲ ሓሊፉ ጸሓይ ወገግ ኢላ ምስ በረቐት ረፋድ ሰዓት 9ተ ነገስታት ዚበሉ ይበሉ ብክመይ ዓይነት ሞት ክመውት ከምዘለዎ አቐዲሞም ቤተ አይሁድ ወሲኖም ነበሩ።ንክርስቶስ ካብ ሞት ዘድሕኖ ሓደ ኣካ አብዛ ምድሪ ሰብ አይነበረን።
ናይ ጎይታ ሞት ሃንደበት ዚመጸ ወይ ዚተወሰ ዘይኮነ ባዕሉ ብስልጣኑ ብፍቓድ አብኡ ብስምረት መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ደቂ ሰባት ዚተወሰነ ስለዚነበረ፡ ምንም እካ ጲላጦስ ካብ ሰበይቱ ናይ መጠንቐቕታ መልእኽቲ እንተበጽሖ፡ ንገዛእ ርእሱ ካብ ደም ክርስቶስ ነጻ ከውጽእ ምበር ንክርስቶስ ሓራ ክገብሮ ዘኽእል አይነበረን።ምኽንያቱ ብአጸደ ነፍስን ብአጸደ ስጋ ዚነበሩ ፍጥረታት ክርስቶስ ዚስቐለላ መዓልቲ ብተስፋ እናተጸበየ ይሰቐል፡ ይሰቀል ብምባል ይግዕሩ ነበረ።
አብ መቓብር ዘለዉ፡ “ንነፍሰይ ኣብ ሲኦል ኣይትሐድጋን፣ ቅዱስካውን ጥፍኣት ኪርኢ ኣይትፈቅድን ኢኻ እሞ፣ ስለዚ ልበይ ይሕጐስ፣ ክብረይ እልል ይብል፣ ስጋይውን ኣብ ጽኑዕ ኪሐድር እዩ።”(መዝ 16፥9) ብምባል ይዝምሩ፡ አብ ሲዖል ዘለው አብ ምድሪ ብሓባር ብሓደ ድምጺ ይሰቀል፡ ብምባል ዘእወይዎ አውያት ሰሚዑ ዚምልስ ክርስቶስ ደአ ምበር ጲላጦስ ስለዘይነበረ አብ መወዳእታ ምንም ክገብር ከም ዘይክእል ምስ ተረድአ እንኩም ንጉስኩም ብምባል ንፈጣሪ የሕሊፉ ዚሃቦም።
ካብ ሰዓት 9ተ ክሳብ 12ተ (ፋዱስ) ንሰለሰተ ሰዓት መርሚሩ መፍትሒ ግና አይረኸብን። እዚ ድማ አብ ሰለስተ ክፍላተ ዘመናት፡ ዘመነ አበው፡ ዘመነ መሳፍንት፡ ዘመነ ነገስት፡ ጻድቕ ዘይጸድቀሉ ሓጥእ ዘይኩነነሉ ዚበደለን ዘይበደልን ክሉ ብሞት ተታሒዙ ንሲኦል ዚወርደሉ ዘመን ምንባሩ የረዳአና።ሕዝብን ካህናትን ላዕልን ታሕትን ዚብልሉ ዚነበሩ ነቲ ሕይወት ዘውህብ ናይ ክርስቶስ ሞት እዩ። ስለዚ ፍቓድ ሕዝቢ ከማልእ ጲላጦስ ንሞት የሕሊፉ ዝሃበ። ዚመተሉን ደሙ ዘፍስሶን ምእንቲ ክሉ ሓጥያት ሕዝቡ ምኻኑ ጎይታ አቀዲሙ ተዛሪቡ ነይሩ እዩ። (ማቴ 26፣17)