ኣድራሻና
166 6th Ave, Bezuidenhout Valley, Johannesburg, 2094
ኣድራሻና
166 6th Ave, Bezuidenhout Valley, Johannesburg, 2094


ዓርቢ ስቅለት እንቓዕ ብሰላም አፈጸመና!!
ምሥጢር እታ ደብዳቤ
ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ዚተሰቕለሉ መስቀል 7እመትን ፈረቓን ነበረ።ቤተ አይሁድ ነቲ ሓደ እመት ልዕሊ ርእሱ ዚነበረ ክፉት ቦታ አብ መስቀል ተሰቒሉ ዘሎ ሰብ መንነቱ ዚገልጽ ጽሑፍ ወረቐት ዚስቐለሉ እዩ። ጲላጦስ አይሁድ ንክርስቶስ ምስ ሰቐልዎ ብሰለስተ ቓንቓ(ጽርዕ፡ሮማይስጥ፡ዕብራይስጥ) ዚተጻሕፈ መንነት ክርስቶስ ዚገልጽ አቐመጠ።
ዕብራይስጥ ንሊቀ ካህናት፡ ጽርዕ ንሄሮዶስ፡ ሮማይስጥ ንጲላ ጦስ ዚውክል ነበረ። በታ ለይቲ እቲ ጎይታ አብ ቕድሚ እቶም ሰለስተ ሰብ ሰስልጣናት ቐሪቡ ብ3ቲኡ ቓኝቓ ተሓቲቱ ነበረ። እዚ ድማ ብሞት ክርስቶስ ሰለስቲኦም ከምዚተሰማምዑ ዘረጋ ግጽ እዩ። ጽሑፍ ናይቲ ደብዳቤ “ኢየሱስ ንጉሠ አይሁድ” ዚብ ል ነበረ።ዋላ እካ ቤተ አይሁድ ደስ እንተ ዘይበሎም እቲ ሓቂ ግና ካብ አሕዛብ ወገን ጲላጦስ አተንሲኡ አብ ቕድሚ ኦም እቲ ሓቒ መስከረ።እዚ ድማ ንእይሁድ ምክንያት ፍርዲ ክኸው ንን ትንቢት ነብያት ክፍጸም እዩ።(ኢሰ 1፥4)
ንፈጣሪ ከይፈልጥ ልብንኡ ዚተሰወሮ ቤተ እስራኤል ካልእ መን አሎ። ነፍሶም ብድያብሎስ ብስግኦም ድማ ቔሳር ነጊሶ ም ስለዚነበሩ፡ ነቲ ንጉሥ ሰማይን ምድርን ዚኮነ አብ ልቦም ክነግስ ፍጹም አየፍቀዱን።”አልብነ ንጉሥ ዘእንበለ ቔሳር ” (ብጀካ ቔሳር ካልእ ንጉስ የብልናን) ኢሎም ዚፈከሩ፡አየ ሰብ ብሓጥያት ዚተገዝአት ነፍሲ ንእግዚአብሔር ክትግዛእ ብጣዕ ሚ ክቢድ እዩ።ንፈጣሪአ ዘይተገዘአት ነፍሲ ድማ ማንም ከም ዝመልካን ክምዚገዛአን ናይ አይሁድ ሕይወት ዓብይ ትምህ ርቲ እዩ።
ድህሪ ዘሩባቤ እክለ ዚትባህለ ንጉስ ከይነገሰ ቤተ እስራኤል አብ ዚተፈላለየ መከራን ባርነትን ጨካናት ገዛኣቲ ንነዊሕ ዘመ ናት ወደቐት።ነዚ መከራአ ርእዩ እቲ ንጉሥ ሰማይን ምድርን ክርስቶስ አብ ማእከላ ተወልደ፡እንተ ኮነ ቤተ አይሁድ ንፈጣሪ አ አሳደደት።መግዛእቲን ባርነትን ሮማውያን ጽርአውያን ጥዒ ምዋ እምቢ ኢላ ሓንገደት።”ገዛኢ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ ካብ ይሁዳ በትሪ፡ ዘንጊ ገዛኢ ኸኣ ካብ ማእከል ኣእጋሩ ኣይጠፍእን። (ዘፍ 49፥10) ተባሂሉ ትንቢት ዚትነግረሉ ናይ ይሁዳ አንበሳ ክርስቶስ ገዛኢ ኮይኑ እንተመጸ ቤተ እስራኤል ግና አብ ልዕሊ ንጉሳ ዓመጸት። እታ እምቢ ዚበለት ወልዶ አእምሮአ ንክፉእ የሕሊፋ ሃባ። ስለዚ ቤተ አይሁድ ልቦም እንተአጽንዑ፡ንግስነቱ ዚገልጽ ብ3ቲኡ ቓንቓ ዓለም መታን ክትፈልጥ ተጻሕፈ። ምሥ ጢሩ ድማ ዜና መንግስቱ እተብስር ወንጌል በዞም 3ተ ቓንቓ ተጻሒፋ ንዓለም ሓጎስ ደስታን ሒዛ ተሰብከት።
ቤተ እስራኤል ካብ ጥንቲ መዳኃንታ ምስ ነዓቐት እያ። እግዚአብሔር ድማ በቶም ዚተናዕቑ ሰባት ወትሩ ተአምራቱ ምስ ፈጸመ እዩ። አቐዲሞም ንሊቐ ነብያት ካብ ባርነት ግብጻ ውያን ከናግፎም ዚተላእከ ሙሴ ዚመልስሉ ናይ ንዕቐትን ጸር ፍን ንክርስቶስ ዚመልስዎ ክፉእ ቃል ተመሳሳሊ ነብረ።(ዘጸ 2፥14) ሙሴ ብፍቕሪ እንተ ቀረቦም ንሶም ድማ አዝዮም ይጸ ላዎ ነበሩ፡ ክንዕቅዎ ከለዉ ከይነዓቀ፡ ስለኦም ይጭነቕን ምስ ኦም ሓቢሩ መከራ ተቐበለ።
አማናዉ ሙሴ ክርስቶስ ነቶም መሪር መግዛእትን ባርነትን በር ቲዕዋ እትሐለልው ዚነብረት ቤተ እስራኤል፡ አርዕቶም ከዝልቅ ፡ ንብዓቶም ክደርዝ፡ ነፍሶም ክህድእ፡ ሰላም ክስፍንኢሉ መጸ፡እንተ ኮነ ቤተ አይሁድ አይተቐበልዎን፡ክርስቶስ ግና ዕሸነቶም ተመልኪቱ፡ አመና እናጸልእዎ፡ ብፍቕሪ ቐረቦም፡ እናረገምዎ ብብረኸቱ አጽገቦም፡እናጸርፍዎ ንሱ ግና ባረኾም፡ ጥራይ ዕር ቓኑ እናውጻዎ ንሱ ግና ብሰናይ ተግባራት ሰለሞም ፡ እናኸሰ ሰዎ ንሱ ግና ሰእን ፍልጠቶም ምካኑ ርእዩ “ኦ አቦይ ዚገርዎ አይፈልጡን እዮም እሞ መሓሮም” ብምባል ምሕረት ሃቦም።
ስለዚ ብአይሁድ ዚተናዕቐ ክርስቶስ ብአፍ አሕዛብ ግና ንግስነ ቱ አብ አደባባይ ተመስከረ፡ “ኢየሱስ ንግሥ አይሁድ” ተባሂሊ ተጻሕፈ። ክርስቶስ ንግስነቱ ካብዞም ምድራውያን ነገስታት ዚተፈለየት ምካና ብምሥጢር ተገልጸት።አብ መስቐል ንሞት ዚተፈርደ ንጉሥ ዚተባህለሉ የለን፡ምናልባት ንጉስ ዚነበረ ተባሂ ሉ አብ መቓብር ይጻሓፍ ይኸውን።ንሱ ግና ክውለድ ከሎ ንጉ ሥ ከምዚነበረ ክመውት ውን ንጉሥ።ካብ ማኅጸን አዲኡ ክወ ጽእ ከሎ ንጉሥ፡ ናብ መቓብር ክወርድ ከሎ ንጉሥ እዩ። ብዕ ለተ ዕለደቱ ዚሰማዕናዮ “አይተ ሀሎ ዘተወልደ ንጉሠ አይሁድ ” እቲ ዚተወልደ ንጉሥ አይሁድ አበይ አሎ(ማቴ 2፥2) ሰበአ ሰገል ኢሎም ዚሓተቱ።
እስኪ ነስተውዕል አቐዲሙ መጋቤ ሓዲስ ቅዱስ ገብራኤል “መንግስቱ መወዳእታ የብሉን” ኢሉ ዘብሰረ፡ቀጺሎም መላእ ክት”ሎሚ መድሓኒ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊድልኩም” ብምባል ንዓለም ዚተነግረ። አቤት ዕጹብ ድንቒ እዩ፡፡ ንጉሥ አይሁድ ኮይኑ ዚተወልደ፡ ንጉሥ አይሁድ ኮይኑ ዚሞተ ብዘይካ እቲ ብባህሪኡ ንጉሥ ዚኮነ ክርስቶስ መን አሎ።ትንቢት ነብያት ተፈ ጸመ።(መዝ 132፥12/ ማቴ 28፥18)ጲላጦስ ቅድመ ሞቱ ብደብዳቤ ዚጸሓፎ ድኅረ ትንሣኤ ድማ ብቃሉ ገልጾ።
ናይ አዳምን ሔዋን ናይ ባርነት ዕዳ ደብዳቤ (አዳም ገብሩ ለድያብሎስ፡ ሔዋን አመቱ ለድያብሎስ) ተባሂሉ ብጉሁድ ተጻሒፉ ዚንበብ ዚነብረ፡ ነዚ ናይ ባርነት ደብዳቤ ብናይ ነጻነት ደብዳቤ ንምልዋጥ፡ እቲ መድኃኒት ዚኮነ ክርስቶስ አዳማዊ ባህሪ ለቢሱ (ተዋሂዱ) ነቲ ጽሑፍ ብጽሑፍ ሲዒሩ ከምዚነበብ ገበረ። ባርነት አብቕዐ ነጻነት ኮነ፡ ብተዋህደነት መለኮት ናይ አዳም ስጋ ካብ ባርነት ናብ ንጉስነት ተመልሰ።
“ኣነ እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም እየ፡ ቊራብዓት ኣርዑትኩም ድማ ሰበርኩ፡ ርእስኹም ኣልዒልኩም ከም እትኸዱውን ገበ ርኩኹም።” (ዘሌ 26፥13) ዝብል አምላኻዊ ቃል ምስ ተፈጸ መ፡ ናይ ባርነትና ደብዳቤ ዚተነባ ዓለም ናይ ንግስነትናን ነጻነት ናን ዜና ተበሰረ። በቲ ዋና ደራሳይ ዚኮነ ድያብሎስ ዚተጽሕፈ ብአዳምን ሄዋንን ዚተፈረመ ክልተ ናይ ዕዳ ድብዳቤ ናብ ክል ተ አባዚሑ እቲ ሓደ አብ ሲዓል፡ ናቱ ቕዳሕ ድማ አብ ሩባ ዮር ዳኖስ ቐበሮ። ስለዚ ነዚ ክልተ ግዜ ብግሁድ ዚተነበ ንምስዓ ርን ንምድምሳስን ናይ ክርስቶስ ንጉሥ አይሁድ ተባሂሉ ክልተ ግዜ ማለት ሓደ አብ ግዜ ልደቱ፡ ሓደ ድማ አብ ግዜ ስቅለቱ ተገልጸ።
ድያብሎስ አብ ልቢ አይሁድ ሓዲሩ” ንጉሥ አይሁድ” ተባሂሉ ከይጸሓፍ እንተቓወመ፡ እቲ ሰማያዊ አምላክ ድማ ብአፍ ጲላ ጦስ “ዝጸሐፍክዎ ጸሐፍኩ፡ ኢሉ መለሰ። “(ዮሓ 19-22)እስኪ ሕሰቡ ስለምንታይ እዚ ክሉ ቤተ አይሁድ ፈታዊ ቐሳር አይኮ ንካን እንዳበሉ አብ ዚግዕርሉ ዚነበሩ ጲላጦስ አብዚአ በጺሑ ከይፈርሐ “ንጉሥ አይሁድ” ኢሉ ብትብዓት ዚጸሓፈ ፡ ናይ ፈጣሪ ውሳኔ ስለዚነብረ ክቃወም ማንም አይደፈረን።
ከይፈተና አብ ልዕሌና ዚነግሰ ድያብሎስ፡ ንሱ ድማ ከይፈተወ አብ ልዕሊ ክርስቶስ ነገሠ።ከምቲ ናዓና ዘጨነቐ፡ ንዕኡ ዘጨንቕ ካልእ ንጉሥ ተንስአ።ካብ እግዚአብሔር ዘይኮነ ክብሪ ክኸብር ዚድልይ መወዳእታኡ ይጠፍእ።(ሉቃ 12፥21)