ደብረ ብርሃን ቅድስት በአታ ለማርያም ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ኣብ ጆሃንስበርግ ደቡብ ኣፍሪቃ ተመሪቓ!

ብዕለት 02 የካቲት ካብ ኤርትራ ዝመጹ ልዑኻት ቅዱስ ሲኖዶስ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስን ሊቀ ጳጳስ ደቡብ ሃገረ ስብከት ዓዲ ቐይሕን፡ ብፁዕ አቡነ ሳዊሮስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ደቡብ መንደፈራ፡ ተሓጋጋዚ ቅዱስ ፓትርያርክ ሊቀ ካህናት ቀሺ ዘሚካኤል ኣብራሃም፣ ናይ ኮፕቲክ ቤተክርስቲያን ሜትሮ ፖሊታን ብፁዕ ኣቡነ አቡነ ማርቆስ ናይ መላእ ኣፍሪቃ ሊቀ ጳጳስ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝመጹ ሊቃውንት፡ ካህናት፡ ምእመናን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ከተማ ጆሃንስበርግ ደቡብ ኣፍሪቃ ብክብ ዝበለ ድምቀት ተመሪቓ።  

ልዑኻት ቅዱስ ሲኖዶስ ዕለት 31/01/2025 ዓ.ም. ልክዕ ሰዓት 8፡00 ድ.ቀ. ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኦር ታምቦ (OR tambo) ብሰላም ኣብ ዝኣተውሉ ሊቃውንት ውሉደ ክህነት ምእመናንን ከምኡ ውን ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተሰንዮም፡ “ባርከኒ አባ” እናበሉ ብዝዝምሩ መዘመራን ቤት ትምህርቲ ሰንበት ቅድስት በአታ ለማርያም ተዓጂቦም ምእመናን ጥዋፍ ኣብሪሆም ብዕልልታን ምስጋናን ተቐቢሎሞዎም።

ብምቕጻል ቀዳም ዕለት 01 የካቲት ካብ ሰዓት 3፡00 ድ.ቀ. ክሳብ 6፡00 ድ.ቀ. ሊቃውንት ቤተ ክርስቲያን ዋዜማ ቆይሞም ብጥዑም ዝማሬ ስብሐተ እግዚአብሔር ምስ ኣብጽሑ፣  ጸሎት ብኣርባዕተ መኣዝን ድኅሪ ምብጻሕ ናብ ቀጽሪ ብምውጻእ ዙርያ ቤተ ክርስቲያን ብምቕባእን ብምብራኽን ብሰላም ተፈጺሙ።

ንዝተወሰነ ሰዓታታ ድኅሪ ምዕራፍ ምሸት ደወል ቤተ ክርስቲያን ተደዊሉ ሊቃውንተ ቤተክርስቲያን ክብሪ እግዚአብሔርን  ንንጽሕናን ቅስድስት ድንግል ማርያምን ዝገልጹ ዝተፈላለዩ ወረባት ብምውራብ እናሸብሸቡ ብግሩም ስብሐተ ማኅሌት ከምስግኑ ሓዲሮም። መጻሕፍተ ተኣምር ተነቢቦም ጸሎተ ወንጌልን ጸሎተ ኪዳንን ምስ በጽሐ፣ ቅዳሴ ብብፁዕ አቡነ ሳዊሮስ እናተመርሐ ተፈጸመ።

ብድኅሪ’ዚ ሥርዓተ ዑደተ ታቦት ንምፍጻም ብቡራኬ ብብፁዓን ኣቦታት፡ ካብ ቦትኡ ተላዒሉ ወርቅ መስቀልን ማዕጠንታትን ብዝሓዙ ውሉደ ክህነት፣ ብለዘብ መማህራን ሊቃውንት፣ ብመዝሙር መንእሰያት ተማሃሮ ትምህርተ ሰንበት፣ ብምህለላ ምእመናንን ምእመናትን ተዓጂቡ ኣብ ዝተዳለወሉ ዓውደ ምሕረት ምስ ቆመ፣ ሊቃውንት ነቲ በዓል ዝምልከት ወረብ ወሪቦም ምስ ሸብሸቡ አዴታትን ትምህርተ ሰንበትን ጥዑም ዝማሬ ቐሪቡ።

ብምቕጻል ሊቀ ካህናት ቀሺ ዘሚካኤል “ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር ንትፈሳሕ ወንትሐሠይ ባቲ/ እታ እግዚአብሔር ዝገበራ መዓልቲ እዚኣ እያ እሞ ብኣኣ ደስ ይበለና” መዝ. 117 ብዝብል ኣርእስቲ ልቢ ምእመናን ዘረስረሰ ስብከት ኣስሚዖም።

ቀጺሉ ንኽቡር ኣቦና ቀሺ ዳኒኤል ንአስታት ዓሠርተ ዓመታት ዝኣክል ንምእመናን ብሓደ ጠርኒፎም ኣብ ሐዋርያዊ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ብዝፈጸምዎ መንፈሳዊ ተጋድሎን ጻዕርን ተመልኪቱ ቅዱስ ሲኖዶስ ‘መልአከ ብርሃን ቀሺ ዳንኤል የማነ ተባሂሎም ብናይ ክብሪ ማዕርግ ክጽውዑ፣ ከምኡ ውን ቅድስት በአታ ለማርያም ‘ደብረ ብርሃን ቅድስት በአታ ለማርያም’ ተባሂላ ክትጽዋዕ ብወግዒ ንምእመናን ተሓቢሩ። ምእመናን ድማ ብዓቢ ሓጎስን ደስታን ብእልታን ‘ይደልዎ’ ብምባል ኣመስገኑ።

ኣብ መወዳእታ ክቡር ኣምበሳደር ሃገረ ኤርትራ ሓጺር ናይ ሓጎስ መልእክቲ ኣመኃላሊፉ። ብድኅሪ’ዚ ንብፁዓን ኣቦታት ናይ ክብርን ምስጋናን ሽልማት ምስ ተዋህበ ብኣማኃዳሪ ናይቲ ደብሪ ንዅሎም ከይተሓለሉ ዓቢ ኣበርክቶ ዝገብሩ ወገናት ምስጋና ምስ ተዋህበ ብፁዕ ኣቡነ ሳዊሮስ ብዝሃብዎ ቃለ ምዕዳን ብናይ ኣቦታት ቡራኬን ምህለላን እቲ መደብ ብክብ ዝበለ ድምቀት ተዛዚሙ።

ሼር ብምግባር ንኻሎኦት ኣካፍሉ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

×