ኣድራሻና
166 6th Ave, Bezuidenhout Valley, Johannesburg, 2094
ኣድራሻና
166 6th Ave, Bezuidenhout Valley, Johannesburg, 2094


1) ዓመተ ዓለም
ዓመተ ዓለም፣- ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ዘሎ ዓመት ምስ ድኅሪ ልደተ ክርስቶስ ዘሎ ዘመን ተደሚሩ ዓመተ ዓለም ይበሃል።
ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ዘሎ ዘመን፡- ዓመተ ፍዳ፣ ዘመነ ኵነኔ፣ ዘመነ ብሉይ ይበሃል። ጠቕላላ 5500 ዓመት እዩ።
ድኅሪ ልደተ ክርስቶስ ዘሎ ዘመን ድማ፡- ዓመተ ምሕረት፣ ዘመነ ሥጋዌ ይበሃል። ጠቅላላ 2018 እዩ።
5500 + 2018 = 7518
2) መጠነ ራብዒት፦ ብጽሒት ሓደ ወንጌላዊ ድማ ዓመተ ዓለም ንኣርባዕተ መቒልካ ዝርከብ ኮይኑ ናይ 7518 ከኣ 1879 እዩ።
7518 ÷ 4
7516 1879
2
3) ዓመተ ወንጌላዊ ንምርካብ ፡- ዓመተ ዓለም ንኣርባዕተ መቒልካ በቲ ተረፍ ትጽውዖ።
ዓመተ ዓለም ÷ 4
______________
ተረፍ ፡ 1 እንተኾይኑ ማቴዎስ፤
2 እንተኾይኑ ማርቆስ
3 እንተኾይኑ ሉቃስ
0 እንተኾይኑ ዮሐንስ
3.1) ብዓመተ ዓለም፡ 7518 ÷ 4
7516 1879
2
3.2) ብዓመተ ምሕረት፡ 2018 ÷ 4
2016 504
2
ስለዚ፣ ተረፍ 2 ዘመነ ማርቆስ እዩ።
4) ርእሰ ዓውደ ዓመት – ባሕቲ መስከረም መዓስ መዓልቲ ከምዝውዕል ንምፍላጥ፣- ጥንተ ቀመርን ጥንተ ዖንን ንጥቀም።
ዓመተ ዓለም + ብጽሒት ሓደ ወንጌላዊ ÷ 7
___________________________
ተረፍ
4.1) ጥንተ ቀመር ፥ ነቲ ተረፍ ካብ ሠሉስ ሓደ ኢልካ ይቝጸር።
ንኣብነት፡ 1 – ሠሉስ፤ 2 – ረቡዕ፤ 3 – ኃሙስ፤ 4 – ዓርቢ፤ 5 – ቀዳም፤ 6 – ሰንበት፤ 7 – ሰኑይ
7518 + 1879 ÷ 7
9397 ÷ 7
9394 1342
3 -> ኃሙስ
4.2) ጥንተ ዖን ፣- አሐደ አእትት/ሓደ ኣጒድል ከምዝብል፣ ካብቲ ተረፍ ሓደ ኣጕዲልካ ካብ ረቡዕ ሓደ ኢልካ ይቝጸር።
1 – ረቡዕ፤ 2 – ኃሙስ፤ 3 – ዓርቢ፤ 4 – ቀዳም፤ 5 – ሰንበት፤ 6 – ሰኑይ፣ 7 – ሠሉስ
7517 + 1879 ÷ 7
9396 ÷ 7
9394 1342
3 -> አሐደ አእተት (ሓደ ኣጒድል) ፣ ስለዚ 3-1= 2 ስለዚ ኃሙስ ይኸውን
5) መደብ ወመንበር
መደብን መንበርን ንአበቅቴን መጥቅዕን ኽንረክብ ዝሕግዙና እዮም።
5.1) መደብ፡- ተረፍ ናይ ዘመን ኮይኑ መደብ ናይ ዘመን ንምግላጽ ይጠቅም።
ዓመተ ዓለም ÷ 19 ፤
_____________
ተረፍ – መደብ ዘመን ይብሃል።
ዓመተ ዓለም ÷ 532
______________
ተረፍ – መደብ ዘመን ይብሃል።
7518 ÷ 19
7505 395
13 -> መደብ
ስለዚ መደብ = 13 እዩ።
5.2) መንበር፡
መደብ ዝጐደሎ ሓደ = ናይ ዘመን መንበር ይብሃል።
መደብ – 1 = መንበር
13 – 1 = 12
ስለዚ መንበር = 12 እዩ።
6) አበቅቴ ወመጥቅዕ
ብመንገዲ መንበር ንኣበቅቴ ምስ መጥቅዕ ንረክብ።
መንበር x 11÷ 30
__________
ተረፍ = ኣበቅቴ
መንበር x 19 ÷ 30
___________
ተረፍ -> መጥቅዕ
6.1 ኣበቅቴ:- ካብ ቍጽሪ ዓመት ተረፍ ማለት እዩ። ሠርቀ ሌሊትን ሠርቀ ወርኅን ሠርቀ መኦኣልትን መርከቢ እዩ።
መንበር x 11÷ 30 =
12 x 11 ÷ 30
132 ÷ 30
120 4
12
አበቅቴ -> 12
6.2) መጥቅዕ፣- ነጋሪት ማለት እዩ። ሰብ ነጋሪት ሰሚዑ ከምዝእክብ፡ መጥቅዕ ኣብ ዝተሰይመ ዕለት ድማ ሕዝበ ክርስቲያን ኣጽዋማትን በዓላትን ክሰምዑ ስለዝእከቡ እዩ።
መንበር x 19 ÷ 30
_____________
ተረፍ -> መጥቅዕ
12 x 19 ÷ 30
228 ÷ 30
210 7
18 -> መጥቅዕ
ስለዚ መጥቅዕ -> 18
በዓለ መጥቅዕ (መዓልቲ ) ዝወዓለሉ ንምርካብ ንኣጽዋማትን በዓልትን ስለ ዘገልግል መጥቅዕ እንተ በዚሑ ማለት ካብ 14 ንላዕሊ እንተ ኮይኑ ኣብ መስከረም ትሕዝ። እንተ ዊሒዱ ማለት ካብ 14 ንታሕቲ እንተ ኮይኑ ግና ኣብ ጥቅምት ትሕዝ። ናይ ሎሚ ዓመት መጥቅዕ 18 ስለዝወዓለ ካብ 14 ንላዕሊ ስለዝኮነ ኣብ መስከረም ይሕዝ።
ስለዚ በዓለ መጥቅዕ ሰንበት 18 መስከረም ይውዕል።
7) ተውሳኸ ዕለት፡–
ካብቲ መጥቅዕ ዝወዓሎ መዓልቲ => ምሉእ 4ተ ወርኂ ወይ 120 ዕለታት ይቝጸር። ኣብ ርእሲኡ ቀዳም ክሳዕ ዝርከብ ካብ 2 ክሳብ 8 ዕለታት ይውስኽ።
ቀዳም -> 8 ፤ ሰንበት ->7 ፤ ሰኑይ -> 6 ፤ ሠሉስ -> 5 ፤ ረቡዕ -> 4 ፤ ኃሙስ -> 3፤ ዓርቢ ->2 ፤
8) መባጃ ሓመር
* መጥቅዕ + ተውሳኸ ዕለት = መባጃ ሓመር
ስለዚ ናይ ሎሚ ዓመት መጥቅዕ ሰንበት 18 እዩ ተውሳኽ ዕለት ናይ ሰንበት ድማ 7 እዩ።
18 + 7 = 25።
25 ኮይኑ ዝፈስስ መዓልቲ ስለዘየሎ ማለት ትሕቲ 30 ስለዝኮነ = 25 መባጃ ሓመር
መባጃ ሐመር = 25
ስለዚ፦ ጾመ ነነዌ 25 ጥር ይውዕል።
9) ኣጽዋማትን በዓላትን
ነነዌ = 25 ጥር
ዓቢይ ጾም = 25 + 14 = 39 ኮይኑ 30 መዓልቲ ኣፍሲስና ዝተርፍ 9 ይተርፍ = 9 የካቲት
ደብረ ዘይት = 25 + 11 = 36 ኮይኑ 30 መዓልቲ ኣፍሲስና ዝተርፍ 6 ይተርፍ = 6 መጋቢት
ሆሳዕና = 25 + 2 = 27 መጋቢት
ስቅለት = 25 + 7 = 32 ኮይኑ 30 መዓልቲ ኣፍሲስና ዝተርፍ 2ይተርፍ= 2 ሚያዝያ
ትንሣኤ = 25 + 9 = 34 ኮይኑ 30 መዓልቲ ኣፍሲስና ዝተርፍ 4 ይተርፍ = 4 ሚይዝያ
ርክበ ካህናት = 25 + 3 = 28 ሚያዝያ
ዕርገት = 25 + 18 = 43 ኮይኑ 30 መዓልቲ ኣፍሲስና ዝተርፍ 13 ይተርፍ = 13 ግንቦት
በዓለ 50 = 25 + 28 = 53 ኮይኑ 30 መዓልቲ ኣፍሲስና ዝተርፍ 23 ስለዝኾነ 23 ግንቦት ይውዕል።
ጾመ ሓዋርያት = 25 + 29 = 54 ኮይኑ 30 መዓልቲ ኣፍሲስና ዝተርፍ 24 ስለዝኾነ 24 ግንቦት ይውዕል።
ጾመ ድኅነት = 25 + 1 = 26 ግንቦት
ለቡ፦ በዚ ኣብነት ናይ ዝመጽእ ዓመት 2019 ዓ.ም. ካብ ዓመተ ዓለም ክሳዕ ኣጽዋማትን በዓላትን ነውፅእ።
ፈጣሬ ኣዝማናት እግዚአብሔር፡ ዓመተ ጽድቅን በረኸትን ይግበረልና!
ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!
ምንጪ፡ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ልሳን ተዋህዶ