ኣድራሻና
166 6th Ave, Bezuidenhout Valley, Johannesburg, 2094
ኣድራሻና
166 6th Ave, Bezuidenhout Valley, Johannesburg, 2094


በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላክ
“ወሐድሱ ልበክሙ። / አእምሮኹም ብምሕዳስ ተለወጡ።” (ሮሜ. ፲፪፡፪/12:2)
ክቡራንን ክቡራትን፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ሃገር እትነብሩ ሕዝበ ክርስቲያን፡ ብሓፈሻ ኵልኹም ሕዝቢ ኤርትራ እንቋዕ ካብ ፳፻፲ወ፯/2017 ዓመተ ምሕረት፡ ዘመነ ማቴዎስ ወንጌላዊ፡ ናብ ፳፻፲ወ፰/2018 ዓመተ ምሕረት፡ ዘመነ ማርቆስ ዜናዊ፡ ብደሓነ ሰላም ኣብጸሓናን ኣብጸሓኩምን እናበልና ሠናይ ትምኒትና ንገልጸልኩም።
እዚ ዕለት’ዚ ብቅዱስ ዮሓንስ መጥምቀ መለኮት እዩ ዝፍለጥ፡ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ ቅዱስ ዮሓንስ ዛዛሚ ዘመነ ብሉይ፡ ጀማሪ ዘመነ ሓዲስ ስለዝኾነ፥ እዛ ንኽረምቲ መውፅኢ፡ ንሓጋይ መእተዊ ዘላ መዓልቲ ብስሙ ተጸውዐት፡ በዚ ምኽንያት እዚ ቅዱስ ዮሓንስ ካብ ዘመነ ብሉይ ናብ ዘመነ ሓዲስ፡ ካብ ዘመነ ነቢያት ናብ ዘመነ ሓዋርያት ዘሰጋገረ ብምዃኑ፡ ነቢይ ሐዋርያ ወሰማዕት ኢልና ንሰምዮ።
ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ነዚ መሠረት ብምግባር ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፡ ካብ ብሉይ ናብ ሐዲስ፡ ካብ ዘመነ ኵነኔ ናብ ዘመነ ምሕረት፡ ዝተሰጋገርናላ ዓባይ ዕለት ስለዝኾነት ካብ ክፉእ ርሒቕና ብቕንዕናን ብሓቅን በዓልና ክንዝክርን ከነኽብርን ሠሪዓትልና ኣላ።
ዝኸበርኩም ሕዝበ ክርስቲያን ሰዓታትን ዕለታትን፥ አዋርሕን ዓመታትን፡ እግዚኣብሔር ንደቂ ሰባት ዝሃቦም ጸጋታት እዮም። ስለዚ ነዚ ተረዲእና ዝተወሃበና ግዜ ብዝግባእ ተጠቂምና፡ ዝሓለፈ ዓመት ዝተጋገናዮ፡ ሎሚ አሪምና፥ ከም ለባማት ንገዛእ ርእስናን ንሕብረተ ሰብናን ዝጠቅም፥ ሰናይን ቅዱስን ሓሳባት ሒዝና፡ ማለት ንኃጢኣት ብጽድቂ፡ ንትህኪት ብትግሃት፡ ንድንቁርና ብፍልጠት፡ ንጽልኢ ብፍቅሪ ለዊጥና ነዚ ሓድሽ ዓመት ክንቅበሎ መንፈሳዊ ሓላፍነትና እዩ።
“ነቲ ሠናይን ባህ ዘብልን ፍጹምን፡ ዝኮነ ፍቃድ አምላኽ፡ እንታይ ምዃኑ መርሚርኩም ክትፈልጡ፡ አእምሮኩም ብምሕዳስ ተለወጡ።” (ሮሜ. ፲፪፡፪/12:2)
ዝኸበርኩም ሕዝበ ክርስቲያን ልዑል እግዚኣብሔር ዕለታትን ዓመታትን ንደቂ ሰባት ዝሃበና ንጥቅምና እዩ። ስለዚ ኩሉ ጉዕዞ ሂወትና ብግዜን ዕለትን ዝዕቀን ስለዝኮነ፥ ግዜ ቀንድን አገዳስን ናይ ሕይወትና መሳርሒ እዩ። በዚ መሠረት ንግዜና ተጠቂምና መንፈሳውን ስጋውን ስራሕና ክንሰርሕ፥ “ብላዕ በሃፈ ገጽከ፡ ብረሃጽ ስራሕካ (ገጽካ) ብላዕ” ዝብል አምላካዊ ትእዛዝ ተዋሂብና እዩ።
ብተወሳኺ ከም’ቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ መልእኽቱ፡ “ንኵሉ ግዜኩም ኣብ ረብሓ እናውዓልኩም ከም ዓያሹ ዘይኮነስ ከም ለባማት ተመላለሱ” ዝበሎ (ኤፌ ፭፡ ፲፮/5:16)፥ ዝተዋህቦ ጊዜ ብዝግባእ ዘይጥቀምን፡ ሠናይ ሓሳባት ዘይብሉን ሰብ ሓዲሽ ዓመት የብሉን ከም ዝበሃል፥ ንሕና ድማ ንዝተወሃበና ግዜ ብዝግባእ ተጠቂምና ንቤተ ክርስቲያናን ሃገርናን ዝጠቅም ሠናይ ሓሳባት ክንሓስብ ክንሰርሕን፡ በዚ ቅዱስ በዓል ሓዲሽ ዓመት አባታዊ መልእኽተይ ኣመሓላልፍ።
ኣብ መወዳእታ መንፈሳውያን በዓላትና ክርስትያናዊ ሥነ ምግባር ንፍጽመሎም ስለዝኾኑ፡ ፍቕርን ተስፋን ሓድነትን ተዓጢቅና፡ ንጥሙያት ከነብልዕ፡ ንዕሩቃት ክንከድን፡ ንዝሓመሙ ክንበጽሕ፡ ንዝሓዘኑ ከነጸናንዕ፡ ሓደራ ንብል።
ሓዲሽ ዓመት ዘመነ ማርቆስ 2018 ዓ.ም.ግ ናይ ልምዓትን ብልጽግናን፡ ናይ ሰላምን ፍቅርን ዓመት ይግበረልና።
ልዑል እግዚአብሔር ሃገርናን ማኅደርናን ይባርኽ!!!
ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ባስልዮስ ቀዳማዊ ፮ይ ፓትርያርክ ወርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት
ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
መስከረም 2018 ዓ.ም.ግ. / መስከረም 2025