ኣድራሻና
166 6th Ave, Bezuidenhout Valley, Johannesburg, 2094
ኣድራሻና
166 6th Ave, Bezuidenhout Valley, Johannesburg, 2094


ሎሚ ዕለት 18 ጥር 2017 ዓ.ም (26/01/2025) ሥርዓተ ሢመት ወጸሎተ ተቀብዖ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ባስልዮስ ቀዳማዊ 6ይ ፓትርያርክ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም ብኣዝዩ ድሙቕን ምዕሩግን ሥነ ሥርዓት ተፈጺሙ።
ኣብዚ 9ተ ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ ሀገረ ኤርትራ ሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳሳትን፡ ክቡር ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቅ; ተወከልቲ ናይ ኦርየንታል ኦርቶዶክስ አኃት ኣብያተ ክርስቲያናት ግብጽ (5ተ ሊቃነ ጳጳሳት)፡ ናይ ሶርያ (2ተ ሊቃነ ጳጳሳት)፡ ናይ ማላንካራ ህንድ (2ተ ሊቃነ ጳጳሳት)፡ ናይ ኣርመን (ሓደ ሊቀ ጳጳስ)፡ ናይ ምሥራቅ ኦርቶዶክስ ሩስያ (ሓደ ሊቀ ጳጳስ ምስ ክልተ ኣባላቱ) ናይ ግሪክ (2ተ ብፁዓን አበው ምስ 3ተ ኣባላቶም)፡ ናይ ዓለም ኣብያተ ክርስቲያናት ማኅበር (WCC) ዋና ዳይረክተርን ምስ ኣባል ኮሚተን፡ ፕረዚደንት ማኅበረ ኣብያተ ክርስቲያን ኣፍሪቃ፡ ዋና ዳይረክተር ፌካላሃ ከምኡ’ውን ፡ ላዕለዎት ሰበ ሥልጣን መንግሥቲ፡ ገዳማውያን ኣቦታትን ኣዴታትን፡ ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን፡ ኃለፍትን ኣባላትን ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ፡ ሊቃነ ካህናትን ተወከልትን ሃገረ ስብከታት ውሽጥን ወፃእን፡ ሊቃነ መናብርት ኣብያተ ክርስቲያናት ኣሥመራ፡ ውሉደ ክህነት፡ መዘምራን ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበት፡ ዓበይቲ ዓዲ፡ ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ኣሥመራ ዝመደብሮም ኣምባሳደራት ዝተፈላለየ ሃገራት፡ ወከልቲ በበይኖም ዓለምለኻዊ ውዱባትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ሥርዓተ ሢመት ወጸሎተ ተቀብዖ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ባስልዮስ ቀዳማዊ 6ይ ፓትርያርክ ወርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኤርትራ ብሰላም ተፈጺሙ።



ብመሠረት ካብ ዋዜማ ብጸሎተ ኪዳንን መሐረነ አብን ንባብ ዳዊትን ካልእ ሥርዓታተ ቤተ ክርስቲያንን ዝጀመረ መርሐ ግብር፡ ካብ ፍርቂ ለይቲ ሊቃውንት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተረኺቦም ዝግባእ ስብሓተ ማኅሌት ከብጽሑ ኃዲሮም። ሰዓት 4፡00 ቅ.ቀ ኵሎም ተሳተፍቲ ብፁዓን አበው ውሽጥን ወፃእን፡ ገዳማውያንን ውሉደ ክህነትን ዕዱማትን ኣብ ዘዝተመደበሎም መንበር ተረኺቦም።

ብምቕጻል ተመራጺ 6ይ ፓትርያርክ ብብፁዓን ሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳሳትን ተዓጂቦም ብለባስያነ መስቀል ተሰንዮምን ብፁዕ ኣቦና ጥዋፍ ኣብሪሆም “ኦ አባ ቅዱስ ዕቀቦሙ” ብዝብል ጣዕመ ዜማ እናተሰምዐ ኣብ ኆኅተ ር/ኣ/ደ/ጽ/ ቅድስት ማርያም ምስ በጽሑ፡ ካብ ዲያቆን እቲ ቤተ ክርስቲያን መርኆ (መፍትሕ) ተቐቢሎም ከፊቶም ኣተዉ እሞ በዚ ሥርዓተ ሢመት ወጸሎተ ተቀብኦ ከም ዝተጀመረ ኣበሠሩ።

ብመሪሕነት ብፁዕነቶም ጸሎተ ኪዳን ምስ በጽሐ፡ ብብፁዓን ኣበው ተሰንዮም ሥርዓተ ቅዳሴ ክሳብ ግብረ ሓዋርያት በጺሑ። ክቡር ፕረዝዳንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅ ኤርትራ፡ ላዕለዎት ሰብ ሥልጣን መንግሥትን ኣምባሰደራትን፡ ዲፕሎማትን ብሓፈሻ ናይ ክብሩ ዕዱማት ቦታኦም ምስ ኃዙ ሥነ ሥርዓት ሢመት ወጸሎተ ተቀብኦ ብልሳነ ግእዝን ትግርኛን እንግሊዝን እናተበራረዩ ኵሎምኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳሳትን፡ ብተሳትፎ ኣብ አፈ ጽዮን ዝቆሙ ናይ ግብጽን ሶርያን ኣርመንን ማላካራ ህንድን ብፁዓን አበው ከምኡ’ውን ብተዓዛብነት ኣብ ታሕቲ ዝተቀመጡ ናይ ሶርያን ግሪክን ብፁዓን አበው፡ ገዳማውያንን ሊቃውንት ውሉደ ክህነት ከብጽሑ ከለዉ።

ሊቃውንትን ተሳተፍቲ ሥርዓተ ሢመትን ድማ ብኃበር “ይደልዎ፡ ይደልዎ” እናበሉ ብልዑል ዜማ ኣንጎድጎድዎ። ኣብ ውሽጥን ወፃእን ቤተ ክርስቲያን ዝነበሩ ኵሎም ብድሙቕ ጣቕዒትን ዕልልታን ኣሰነይዎም። ስዒቡ ብጸሎት ብፁዓን አበው ጸሎተ ቡራኬ ኣልባሳት፡ ከምኡ’ውን ኵሎም ሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳሳትን ኣብ ልዕሊ ብፁዕ አብነ ባስልዮስ ኢዶም ብምንባር ምስ ባረኹ፡ ብብፁዕ አቡነ ሉቃስ ሥርዓተ ተቀብኦ ፓትርያርክ ምስ በጺሑ። ኵሎም ብፁዓን ኣቦታት በብተራ “ኦ ኣቡነ ባስልዮስ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ” ኢልና ንሥይመኩም ኣሎና በሉ። ብትምህርተ መስቀል እናባረኩ፡ ብፁዕ አቡነ ሉቃስ ብፁዕ አቡነ ጴጥሮስን ብፁዕ አቡነ ዮሓንስን ኣልባሳት ፓትርያርክ ኣልቢሶም ኣክሊል ኣብ ርእሶም ኣንበሩሎም።

ብምቕጻል ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያናት በብተራ በብናይ ዓዶም ቋንቋ ጸሎት ምስ ኣብጽሑ፡ ኣብ ልዕሊ መንበረ ፓትርያርክ በብደረጅኡ ኣደይብዎን ኣንበርዎምን።



ብድኅሪኡ ሓፂር ታሪኽ ሕይወት ቅዱስነቶም ተነቢቡ። ቃለ ምስክርነት ቅዱስ ሲኖዶስ ብሊቀ ጳጳስ አቡነ ዮሓንስ ክንበብ ከሎ ቅዱስነቶም ኣብ ቅድሚ ታቦተ እግዚአብሔርን ሕዝብን ንቤተ ክርስቲያን ብሓቅን ርቱዕነትን ብጽድቅን ሰላምን ከገልግሉ ምዃኖም ቃለ ማሕላ ምስ ፈጸሙ እዚ ዝኾነ በፈቃደ እግዚአብሔር እዩ እሞ ነዚ ንምፍጻም ኣብ ጸለትኩም ዘክሩኒ ብምባል ቃለ ተማኅጽኖ ኣስሚዖም።

ድኅሪ እዚ ተወከልቲ ናይ ኦርየንታል ኦርቶዶክስ አኃት ኣብያተ ክርስቲያናት ግብጽን ሶርያን ኣርመንን ማላካራ ህንድን ከምኡ’ውን ላዕለዎት መራሕቲ WCC; FECCALHA; AACC ሠናይ ምንዮቶም እናኣስምዑ ሀህያባቶን ሓደ ብሓደ ሂቦም። ክቡር ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቅ ዝርከብዎም ኵሎም ናይ ክብሪ ዕዱማት’ውን ዘለዎም ኣኽብሮቶም እናገለጹን ተፋነዉዎም።

ብመሪሕነት ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ባስልዮስ 6ይ ፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ ድማ ጸሎተ ኪዳን ጀሚሩ ምሉእ ሥርዓተ ቅዳሴ ተኻይዱ። ጸሎተ ቡራኬ ብቅዱስነቶም ተዋሂቡ ድማ መደብ ሥነ ሥርዓት ሢመት ወጸሎተ ተቀብኦ ተፈጺሙ። ብለባስያን ተመሪሖም፡ የማነ ጸጋም ብተማሃሮ መዘምራን ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበትን ተሰንዮም፡ ብዅሎም ሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳሳትን፡ ገዳማውያንን፡ ውሉደ ክህነትን፡ ካልኦት ዕዱማትን ተዓጂቦም ናብ ቀጽሪ ኣምርሑ። ካብ ር/ኣ/ደ/ጽ/ቅድስት ማርያም ጀሚሩ ብፍሉያት ናይ ክብሪ መካይንን ብሞተር ሳይክል ፖሊስ ትራፊክ ተዓጂቦም ብማእከል ከተማ ሕዝቢ የማነ ጸጋም ቡራኬኦም እናተቐበለ ናብ ቤት ጽሕፈት ኣምርሑ።ድኅሪ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዝተዳለወ ናይ መክፈልቲ እንግዶት መደብ ድማ እቲ ሥርዓተ ሢመት ወጸሎተ ተቀብኦ ብመንፈሳዊ ሓበን ተፈጺሙ።