ኣድራሻና
166 6th Ave, Bezuidenhout Valley, Johannesburg, 2094
ኣድራሻና
166 6th Ave, Bezuidenhout Valley, Johannesburg, 2094


ቅድስት በኣታ ለማርያም ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ጆሃንስበርግ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!!!
ሓገዝ ንመስርሒ ቤተ ክርስትያን
መንፈሳዊ ሰላምታና ብምቅዳም ልዑል እግዚአብሔር አብ ሕይወትኩም ሰላምን ጥዕናን አብ ስራሕኩም ድማ በረኸትን ረድኤትን ክልግሰልኩም ንምነ።
ብምቅጻል ቅድስት በአታ ለማርያም ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብፍቃድን መደብን ልዑል ፈጣሪ ብጸሎት ቅድስት ድንግል ማርያም ብግዱሳትን ውፉያትን ኣመንቲ እዛ ቅድስቲ እምነት ዝኮኑ ሕዝበ ክርስቲያን ካብ ትምስረት ድሮ 7ተ ዓመት ኮይኑ ኣሎ።
እንተኾነ ግና ቅድስት ቤተ ክርስቲያና ግቡእ ቦታአ ክሳብ ሕጂ ክትሕዝ ብዘይ ምኽአላ ታቦት ኣብ ግዜያዊ መዕቆቢ (ዚንጎ) ተነቢሩ ንምእመናን መንፈሳዊ ኣገልግሎት ይህብ ኣሎ። በዚ መሰረት ነቲ ኣብ ግዝያዊ ቦታ ተዓቂቡ ዘሎ ታቦት ግቡእ ስፍርኡ ክሕዝ ቤተ ክርስቲያን ድማ ክሃንጽ ስለዚወሰነ፡ ድሮ ውን በቲ ዘለዎ ድሩት ዓቅምን ደገፍ ናትኩምን መሰረት ኣብ ምስራት ተበጺሑ ኣሎ።
ክሳብ ሕጂ ዚተገብሩ ወጻኢታት ንመግዚእ ቤተ ክርስትያን አብዚ በጺሓቶ ዘላን ከም ፍቃድ አምላኽ ብዘሎና ክንቃለስ ጸኒሕና። ኮይኑ ግና እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ሓድሽ ህንጻ ቤተ ክርስቲያን ኣብ መፈጸምትኡ ክበጽሕን ብገምጋም ኣስታት $200,000 ብሕጂ የድልይና ስለዘሎ፡ እዚ ድማ ልዕሊ ዓቅምና እዩ።
ዚኸበርኩም ስድራ እግዚአብሔር ነዚ ተባሂሉ ዕዮ ቤተ ክርስትያን ካብና ሓሊፉ ክገብሮን ክሰርሖን ዝኽእል ስለዘይለ፡ ነቲ ኣምላኽ ዚሃበና ጸጋ ብስጋን ነፍስን በረኸት ክትሓፍሱ ነታ እንኮ ዚኮነት ቅድስት ቤተ ክርስትያን ኢድኩም ክትዝርጉሑላ ብስም ወላዲት ኣምላክ ንምሕጸነኩም።
“ነቲ ኣዝዩ ልዑል ዝኾነ እግዚአብሔር ፣ከምቲ ዝሃበካ ሃቦ፣ ከምቲ ዝተቐበልካዮ ድማ ብልግሲ ምለሰሉ፣ ንሱ ኪኸፍለካ እዩ፣ ሾብዓተ ዕጽፊ ገይሩ ኸኣ ኪፈድየካ እዩ” ሲራክ 35፣10::
እግዚኣብሔር ንዘውጻእኩሞ ካዕበት ጌሩ ይኽፈልኩም። ስለ ክሉ ሰናይ ምትሕብባርኩም አቐዲምና ነመስግን።
ንዝያዳ ሓበሬታ Tel / Whatsup 0027616056830
ሓገዝ ንመስርሒ ቤተ ክርስትያን በዛ አብታ ታሕቲ ዘላ ሊንክ ናይ https://gofund.me/53600375 ሓገዝኩም ከተበርክቱ ብስም ወላዲተ አምላኽ ንሓትት።