ኣድራሻና
166 6th Ave, Bezuidenhout Valley, Johannesburg, 2094
ኣድራሻና
166 6th Ave, Bezuidenhout Valley, Johannesburg, 2094


ትማሊ
ዕለት 30 ኅዳር 2017 ዓ.ም.ግ (09/12/2024 ፈ.) 6ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ንምምራጽ ኣብ ዝተገብረ ጉባኤ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ባስልዮስ ተመሪጾም።
ብመሠረት ዝወፀ መርሓ ግብር ምርጫ ድኅሪ ጸሎት፡ ካብቶም ብቅዱስ ሲኖዶስ ዝተዋህቡ 85 ድምፂ መረጽቲ ማለት ምሉኣት ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ኃሙሽተ ኣባላት ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ግብጺ፡ ከምኡ ውን ምልኣት ገዳማተ ኤርትራ፡ ወከልቲ ጉባኤ ሊቃውንት፡ ወከልቲ መንፈሳውያንን ምምኅዳራውን ክፍልታት መንበረ ፓትርያርክ፡ ወከልቲ ሃገረ ስብከታት ውሽጥን ወፃኢን፡ ወከልቲ ንኡሳን ሃገረ ስብከታት ወፃኢ፡ ወከልቲ መንፈሳዊ ኮሌጅ፡ ኣምራጺ ኮሚቴን፡ ንኡሳት ኮሚቴታትን ህላዌኦም ብምርግጋጾም ምልኣተ ጉባኤ ከምዝተማለአ ተቘጺሩ፡ በዚ ኸኣ ጉባኤ ናይ ምልላይ መሥርሕ ብምግባር ጀሚሩ።


መእተዊ ቃል ቅዱስ ሲኖዶስን ብቃልን ብጽሑፍን ንተጋባእቲ ድኅሪ ምንባቡን ድማ መሥርሕ ኣገባብ ምርጫ ብዝምልከት ንመረጽቲ መብርሂ ተዋሂቡ። ከምኡ’ውን ልዑላውነት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብዝብል ኣርእስቲ ድኅረ ባይታ መናብርተ ክርስትናን መንበረ ክርስትና ኤርትራን ከምኡ’ውን ጕዕዞን ሕጋውነትን ልዑላውነት ቤተ ክርስትያንና፡ መረጻ ሻድሻይ ፓትርያርክ ኤርትራን ዝምልከት ብሓፂሩ ካብቲ ነዊኅ ብውሕዱ ድማ ካብቲ ብዙኅ ሰፊሕ መግለጺ ተዋሂቡ።


ብኣምራጺ ኮሚተ ድማ ሠለስተ ብፁዓን ጳጳሳት ሕጹያት ኮይኖም ቀሪቦም። ታሪኽ ሕይወቶም ድማ ብልሳነ ትግርኛን እንግሊዝን ድማ ተነበ። ብመሠረት መምርሒ ምርጫ ድማ 85 ብኣካል ኣብዚ ጉባኤ ዝተረኽቡ፡ ኣብ ወፃኢ ዘለዉ ድማ 9 መረጽቲ ብማንዛዊ ኣገባብ መንፈስ ቅዱስ ብዝገለጸሎም ድምፆም ሂቦም።


ብተዓዛብነት ካብ ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ግብጺ ኣብ ቅድሚ ተጋባእቲ ንዅሉ ዝተዋህበ ድምፂ ምስ ተቘጽረ፡ ብዝኂ ድምፂ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ባስልዮስ ረኺቦም 6ይ ፓትርያርክ ኮይኖም ንቅድስት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ክመርሑ ብሥሙር ድምፂ ተመርጹ። በዚ ድማ ቅዱስ ሲኖዶስ ዝተሰምዖ ሓጐስ ብመንገዲ ወኪል ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ብፁዕ አቡነ ሳዊሮስ ምስ ገለጹ ብወግዒ ብፁዕ አቡነ ባስልዮስ 6ይ ፓትርያርክ ኮይኖም ከምዝተመርጹ ተኣዊጁ።

ምርጫ 6ይ ፓትርያርክ ዘበሥር መግለጺ ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ተነበ ድማ ተጋባእቲ ብሕጕስ መንፈስን ጣቒዕትን ተቐቢሎምዎ። መግለጺ ሓጐስ ብምዑዝ መዝሙር ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ግብጺ ከስምዑ ከለዉ ሊቃውንት ድማ ብያሬዳዊ ዜማ ኣሸብሺቦም። ኵሎም ተጋባእቲ ድማ ልባዊ ሓጐሶም ብምግላጽ ንተመራጺ ብፁዕ አቡነ ባስልዮስ ዘመን ኣገልግሎትን መሪሕነትን ባሪኹ ብሩኽን ቅዱስን ክከብረሎም ከምኡ’ውን ዕድመን ጥዕናን ክህቦም ተመንዮም። ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ግብጺ ካብ ብፁዕ ወቅዱስ ፖፕ ቴዎድሮስ ዝተላእከ ህያብ ምስ ሃብዎም ብጸሎትን ሥርየትን እቲ ጉባኤ ብሰላም ተዛዚሙ።
ምንጪ፡ ልሳን ተዋህዶ